Home ዜና ትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

ትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

1233
0

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዳቪድ ሳተርፊልድ ቁልፊ ዋኒን ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምብፃሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም ፡፡
ካብ ዝሸየሙ ንሳልሳይ ግዜ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሒዞም ዝተመላለሱ ኣብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ቁልፊ ዕማም ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ብኹለመዳይ ዝተሓሰየት ትግራይ ንምብፃሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዛዚሞም ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እንዛረቦ ይኹን እንሰርሖ ብመጠንን ተኸታታሊን ወሰንቲ ዝበሃሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ንምብፃሕ እዩ ክብሉ ምግላፆም ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡
ብክልል ዓፋር ኣቢሉ መቐለ ክኣቱ ዝተሓሰበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ዘይምብፅሑ ከምዘሕዘኖም እውን ገሊፆም፡፡
ሰብኣዊ ሓገዝ ፂዒነን ኣብ ክልል ዓፋር ይጓዓዛ ዝነበራ መኻይን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብዕጡቃት ሓደጋ እንትበፅሐን መራሕቲ እተን መኻይን እውን ጥቕዓት ከምዘጋጠሞምን እቲ ሓገዝ ድማ ከምዝተሰረቐ እቲ ፀብፃብ የረድእ፡፡
መንግስቲ ኣሜሪካ ኲናት ኢትዮጵያ ካብ ደው ምባል ግዝያዊ ተፃብኦ ናብ ሃገራዊን ኩለ ዘሳተፈን ዘተ ክመፅእ ፃዕሪ እናገበረት ዝመፀት ኮይና ካብ ሐዚ ንደሓር ግና ስጉምቲ ማዕቐብ ክንወስድ ኢና ኢሎም፡፡
ሱዳን ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፈለመ ህውከትን ዕገርግርን ስጡም ማዕቐብ ከምዝንበሩ ዝገለፁ ሳተርፊልድ ኢትዮጵያ ድማ ዕድላ እንተዘይተጠቂማትሉ ከቢድ ማዕቀብ ክነንብር ኢና ክብሉ ምሕናዮም እውን እቲ ፀብፃብ የረድእ፡፡
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ተቃወምትን ዘቐፀለ ዕግርግር ቁጠባ እታ ሃገር ኣዝዩ ዝሃሰዮ እንትኾን ኣሜሪካ እውን ናይ ባዕላ መአረምታ ስጉምቲ ኣጠናኺራ ከምትቅፅለሉ ተገሊፁ ኣሎ፡፡
ሳተርፊልድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሑለን ክልተ መዓልቲታት ምስ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ፣ ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኩለመዳይ ዕፅዋን ቅልውላው ፖለቲካ ኢትዮጵያን ብምፍታሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባፃሕ ኣድላይ ፃዕሪ ክግበር ከምዝግባእ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም ይብል ግሎብ ኒዉስ ኔት
ብተወሳኺ ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያውያን ከምዝዘተዩ እቲ ፀብፃብ ኣብሪሁ፡፡
ሳተርፊልድ ዘተኦም ኣጠናቒቖም ዝተመለሱ ኣብ ድሮ ምይይጥ ሰነድ s 3199 ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡
ረቒቅ ሰነድ ማዕቀብ ሕጊ ኣሜሪካ ማለት s 3199 እንትፀድቅ ነቲ ሰላም ዘስተናዕቅ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብ ምቕፃዕ ብተወሳኺ ከም ኣይኤም ኤፍ ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉን ትካላት ገንዘብ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከይገብሩን ካልኦት ዓበይቲ ስጉምቲታት ከምዘጠቃልል ፀብፃባት ሮይተርስን ግሎብ ኒውስ ኔትን ፀብፂቦም፡፡
ደረሰ ብርሃነ

Previous articleእቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ሃሳዉያን ንዓመታት ዝዘርእዎ ፅልኢ እዩ ክብሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡
Next articleዝኽሪ ሰማእታት ነበርቲ ወረዳ ማይቅነጣል