Home ማሕበራዊ ትግራይን ጎቦታታን

ትግራይን ጎቦታታን

637
0

ኣብ #ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ጉጉይ ፖሊሲን ዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን መሬት ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ፍግረ መሬትን ምጉሕጓሕ ልሙዕ ሓመድን ተሳጢሑ ብምፅንሑ ትሕዝቶ ልሙዕ ሓመድ ጠፊኡ፣ ፍርያት ተመናሚኑ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ናብ ዝኸፈአን ከርፋሕን ከባብያዊ፣ ማሕበራው ቑጠባውን ፀገማት ተቓሊዑ እዩ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ ከቢድ ፀገም ተፍጥሮ ገጢምዎ፣ መሬት ጠሊማቶ ህይወቱ ከድሕን ከቢድ ፃዕሪ ኣብ ዝካይደሉ እዋን ድማ ብደርጋውያን ካብ መረበቱ ወፂኡ ብመሬትን ኣየርን ናብ ዘይፈልጦ መሬት ክስደድ ተወሲንዎ፤ ኣብ ፀልማት ግዘ ከሕልፍን መንነት ትግራዋይ ንምጥፋእን ዓሊሞም ድማ ወፊረሙሉ፡

ይኹን እምበር ወፅዓ ዝሽከም ማእገር ዘይብሉ ህዝቢ ትግራይ ፀላእቱ ሓምሺሹ ኣብቶም ኣዕፅምቲ ሰማእታት ዝዓረፍዎ ጎቦታት ትግራይ ባዴላን ጭኳሮን ሒዙ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን  ብምውፋር መስተንክር ዝሰርሕ ህዝቢ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ፈታውን ፀላእን ኣረጋጊፁ፡፡

ሱር ዝሰደደ ሓደጋ ብርሰት ከባቢ ንምንካይ ኢሉ ድማ ንሓዋሩ ከባቢኡ ንምቕያር ጭቡጥ ኩነታት ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታዉ መፋስስን ጎቦታትን መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ዕቐባ ሓመድን ማይን ብምስላጥ ልሙዕነት ሓመድ ብምውሳክ መፍረይነት ሕርሻ ብምዕባይ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ፃዕርታት ተኻይዶም ውፅኢት እውን ተመዝጊቡ እዩ፡፡

5.46 ሚልዮን ሄክታር መሬት ስፍሓት ኣብ ዘለዋ ትግራይ ካብዚ እቲ ዝበዝሕ ክፋል መሬት ማለት እውን 62 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብጎቦ ዝተሸፈነ ምዃኑ እዩ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ ዘመላኽት፡፡ ስፋሓት ጎቦታት ትግራይ እንትዕቐን ድማ 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ሄክታር መሬት ትግራይ ብጎቦታት እንትሽፈን ዝተረፉ 2 ነጥቢ 05 ሚልዮን ሄክታር መሬት ድማ ሜዳን ሓውሲ ሜዳን ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ፡፡ ብምዃኑ እውን ዝሰፈሐ መሬት ብጎቦታት ኣብ ዝተሸፈነላ ትግራይ ኣብ ልምዓት ጎቦታት ጠመተ ሂባ ክትሰርሕ ትፅቢት ይግበር፡፡

ትግራይ ኣብ ዓመት ካብ 490 ክሳብ 1200 ሚሊ ሊትር ዝናብ ከም እትረክብ ዝሓበሩ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ተመራማሪ ጥሙር ሕርሻን ደንን ኣይተ ክንፈ መዝገበ ምስ ተደራቒ ዝበሃሉ ከባቢታት እንትነፃፀር እቲ ኣብ ትግራይ ዝወቅዕ ዓመታዊ ዓቐን ዝናብ ዝሓሸ ምዃኑ ይገልፁ፡፡ ካብቲ ዓመታዊ ዝርከብ ዓቐን ዝናብ እቲ ዝበዝሐ ማለት እውን 75 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ከም ዝወቅዕ ብምሕባር እቲ ዝወቅዕ ዝናብ ብመልክዕ ምዕቓብ ጠሊ ኣብ ጎቦታት ክውህለል ምግባር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ፡፡

ኣብ ጎቦታት ዝሳለጥ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንህዝቢ ጭቡጥ ረብሓ ብዝህብ መገዲ ክፍፀም እዩ ትፅቢት ዝግበር ብፍላይ ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቐወምቲ ተኽሊ ብምትካልን ሓለዋ ከባቢ ብምስላጥን ውፅኢት ክምዝገበሉ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ዓይነት ስራሕ ድማ በቲ ሓደ ገፅ ውሕስና ሃፍቲ ተፍጥሮ ንምርግጋፅ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ሓረስታይ ኣብቶም ጎቦታት ውፅኢታት ሕርሻ ብምፍራይ ዓርሱ ኪኢሉ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ውፅኢት ክረኽበሉ ከም ዝኽእል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዕላዊ ዝተገበሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘረጋገፁ ብምዃኖም ድማ ምስ ኩነታትን ባህርን ጎቦታትን ዝኸድ ውፅኢታዊ ዝተገበሩ መፅናዕታዊ ዝረጋግፁ ብምኳኑ ምስ ኩነታት ባህርን ጎቦታትን ዝኸድ ውፅኢት ሕርሻ ትግራይ ተግባራዊ ምግባር ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ እዩ፡፡

ዝበዝሐ መሬት ጎቦ ምኳኑ ኣብ ግምት ብምእታው ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ሕርሻ ስትራቴጂ ተግባራዊ ምግባሩ ዝገልፁ ተመራመርቲ ሕርሻ ኣብ ተሓራሲ መሬት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕቐባ ሓመድን ማይን ብምስላጥ 15 ሚእታዊ መሬት ትግራይ ማለት እውን 700 ሽሕ ሄክታር መሬት ብደረቅ ዕቐባ ሓመድ እንትሽፈን 300 ሽሕ ሄክታር መሬት ድማ  ከሊልካ ንምሕዋይ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ፡፡ በዚ እውን ተሓራሲ መሬት ንምስፋሕን ልምዑነት ሓመድ ንምውሳኽን ጎቦታት ናብ ረብሓ ንምቅያር ዝተገበረ ፃዕርን ኣብ 2005 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ዝተኣታተወ  ሓዱሽ ቴክኖሎጂ መደባዊ ዛላን ውፅኢታዊ ንምግባር ህዝቢ ትግራይ ምስ ተፈጥሮ ብዘካየዶ ህልኽ ዘወድእ ቓልሲ እውን ዓለም ኣፍልጦ ሂባቶ እያ፡፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2012 ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲጄኔሮ ኣዋርድ ኦፍ ኢዃቶሪያል ፕራይዝ ንሓረስታይ ጣብያ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ተበርኪቱ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ልዕሊ 62 ሚኢታዊ ካብ ብጎቦታት ካብ ዝተሸፈነ መሬት ትግራይ ሓልሓሊፉ ኣብ ዝተወሰና ጣብያታት ጎቦታት ኣሕዊካ ናብ ልምዓት ንምቕያር ፈተነታት ተካይዶም ዝተወሰነ ውፅኢት እኳ እንተተረኸበሎም ግን ድማ ምስቲ ዘሎ ዓቀንን ስፍሓትን ጎቦታት ትግራይ ናብ ቑጠባዊ ረብሓ ንምቅያር ዝተገበረ ፃዕሪ በቲ ዘድለ መንገዲ ውፅኢት ከምዘይተረኸበሉ ዝገልፁ ኣብ ሕርሻ ትግራይ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎም ኣይተ ብርሃነ ሃይሉ /ብርሃነ ራሻ/ ምስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ተነቢሩላ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ዘጋጠመ ፀገም ብዓርሰ ምርኮሳ ንምስጋር ልዕሊ ዝኾነ እዋን ውፅኢታዊ ስራሕ ክምዝገብ ዝግባእ ግዘ ምኻኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ንዝበለፀ ስራሕ ንምብጋስ ብቐፃልነት ካብ እንወስድ ስራሕን ሓላፍነትን ብተወሳኺ ምስ ትግራይ ተመሳሳሊ ኣቐማምጣ ገፀ ምድሪ ካብ ዘለወን ሃገራት ተሞክሮ ምውሳድ ድማ እቲ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ ዝገልፁ ተመራመርቲ ሕርሻ ትግራይ ካብ መሬታ እቲ 64 ሚኢታዊ ብጎቦ ካብ ዝተሸፈነትን ነዚ ድማ ናብ ቑጠባዊ ረብሓ ዝቐየረትን ደቡብ ኮርያ መርኣያ እያ ኢሎም፡፡

ካብ ግዘ ብረታዊ ቓልሲ ኣትሒዙ ስራሕቲ ዕቐባ ሓመድን ማይን ዝተሳለጠሎም ጎቦታት ትግራይ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ኣብ ዝፈፀመሉ ግዘ ልክዕ ከም ሓደ ትግራዋይ ኣብ ዝበኖም ዝዓረፎም ቐወምቲ ተኽሊ ተቆሪፆም ብዘይንሕስያ ብኸበድቲ ብረት ተደብዲቦም እዮም፡፡ ኮይኑ ግን ኣብታ ቑርፂ እዋን ጎቦታትን ትግራይን ኣይተከሓሓዱን በዚ እውን እዩ ጎቦታት ትግራይ ጎቦ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝበሃል ኣባል ስድራ ህዝቢ ትግራይ እምበር፤ ኣብ ግዜ ሰላም ፍልፍል ፅሩይ ኣየር፣ ማይን ምግብን ፅላል ህዝቦም እዮም ኣብ ግዜ ኲናት ድማ ብኣንፃር ዕርድታት ህዝቦም ኮይኖም ተቓሊሶም፡፡

ብምዃኑ እውን ልዕሊ 62 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ብጎቦታት ዝተሸፈነ ካብ ኮነ ምስቲ ሐዚ ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንቐፃሊ ክረምቲ ሞትን ሕየትን ህዝቢ ትግራይ ዝወሰነላ ምኻኑ ተረዲእና ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ግዜ ሰላም ይኹን ኲናት ማእገር ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ጎቦታት ትግራይ ምሕዋይን ስግግርን ሕርሻ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ውራይ ትግራይ ክኸውን ይግባእ፡፡

ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ውሕስና ምግቢ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ብፅሒት ዝወስድ ብምዃኑ  ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ ትካላት ምርምር ሕርሻን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ተናቢብካ ምስራሕ ድማ ትፅቢት ይግበር፡፡

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleምርግጋፅ ድሕንነት ህዝቢ
Next articleህዝቢ ዓንዲ ሑቖ ቃልሲ