Home ዜና ትግራይ መዐንደሪት ዘይኮነትስ፣ መቕበሪት ወረርቲ ሓይልታት እያ!!

ትግራይ መዐንደሪት ዘይኮነትስ፣ መቕበሪት ወረርቲ ሓይልታት እያ!!

991
0

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ሕልሚ ልፍንታዊያን ፀላእቲ እንታይ ምዃኑ ብግብሪ ተራእዩ’ዩ። ዕድል እንተረኺቦም እንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ’ውን፣ ኣብ ፀሊሞይ፣ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ፣ ኣብ ብሄረሰብ ኲናማ ወገናትና ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍ ህያው ኣብነት’ዩ። ምኽንያቱ ባህጊ ፀላእትና፣ ትግራዋይ ዝበሃል ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ከይህሉ ምግባር ስለዝኾነ፣ ባህጊ ፀላእቲ’ዚ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ዓቕሚን ተኽእሎን ክሳብ ዝረኸቡ እዋን፣ ሕድ ሕድ መዓልትን ዕለትን ከጥፍኡና ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይክውዕሉን።

እንተኾነ ከም ባህጊ ፀላእትና ዘይኮነስ፣ ብፅኑዕ ህዝባዊ ቃልስና ስለዝውሰን፣ ሳላ ብፅንኩራት ፈተናታት ዘይኽበስ ውሁድ መኸተ ህዝቢ፣ መንግስትን ሰራዊትን፣ ትግራይ ብጭቡጥ መዐንደሪት ዘይኮነትስ፣ መቕበሪት ወረርቲ ሓይልታት ኮይና እናቐፀለት ትርከብ። ኣብ ኩሎም ግንባራት ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እውን እዚ ሓቂ’ዚ እዩ። ብቓላት ንምግላፅ ዝኸብድ ጨፍጫፍን ግፍዕን ትግራይን ህዝባን ሪኡ ዝሓረነ መዳርግቲ ኣልቦ ሰራዊት ትግራይ፣ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ባህጊ ፀላእቲ፣ ሕልሚ ቀትሪ ኮይኑ ክተርፍ ድሙቕ ታሪኽ ይፅሕፍ ኣሎ።

ሕዚ’ውን ኣብ ብሄራዊ ህላወናን ቀፃልነትናን ሓድነትናን ስምረትናን ኣዛይድና መኸተና ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ኩልና ግቡእና ንፈፅም። ስለዝኾነ’ውን ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ መኸተ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ኣብ ዘዝተዋፈረሉ ዓውዲ በርቲዑ ክጋደልን ካብኡ ዝጥለብ ኩሉ ብዝለዓለ ብሄራዊ ወነን ሕራነን ክፍፅም ደጊመ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ትግራይ መዐንደሪት ዘይኮነትስ መቕበሪት ወረርቲ’ያ!

ትግራይና ትስዕር!!

Previous articleኣባል ማእኸላይ ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ
Next articleሕራነ  ነበርቲ  ዓዲ ዳዕሮ