Home ዜና ትግራይ ብደቃ ንደቃ

ትግራይ ብደቃ ንደቃ

866
0

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ንምግሃድ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከምዝጨበጡ ሓደሽቲ ተመረቕቲ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡

መንእሰይ ትግራይ እምቢ ኣይግዛእን ኢሉ ኣሰር ወለዱን መሓዙቱን ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ኩለመዳይ ዕፅዋ ከብቅዕ ዝገበሮ ዘሎ ተወፋይነትን ፅንዓትን መርኣያ ዝተወራረሰ ባህሊ ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ኣዘዝትን ኣሰልጠንትን ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡

መንእሰይ ትግራይ በቢመዋእሉ ዘጋጠሙ ፈተናታት ትግራይ ተገንዚቡ ፅባሕ ዘይትቅልበስ ትግራይ ንምህናፅ ብወታደራዊ ዓቅሙን ስነ-ምግባሩን ኣበሪኹ ቤዛ ህዝቡ ዝብጀ ውፉይን በዓል ዕላማን ሰራዊት ኮይኑ ክቕፅል ብዘይዕረፍቲ ክቃለሱ ከምዝግባእ እቶም ኣሰልጠንቲ ተዛሪቦም፡፡

ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝኽእሎም ወታደራውን ፖለቲካውን ዓቕሚ ብምጭባጥ ኣብ ልዕሊ መቃብር ፀላእቲ ባህጊ ህዝቦምን መንግስቶምን ከምዘረጋግፁ ተመረቕቲ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡

ትግራይ ክትጠፍእን ክትለምዕን ናይ ሓደስቲ ወለዶ ታሪኽ እዩ ዝበሉ እቶም ሰራዊት ሕድሪ ወለድና ተቀቢልና ትግራይ ናብ ዝነበራ ስልጣነ ተመሊሳ መርኣያ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ኮይና ክትቕፅል ከምዝቃለሱ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መዋእል ትግራይ ንባርነትን ወፅዓን ፈቒዱን ደኒኑን ዝተገዘአ ትግራዋይ እኳ እንተዘየለ ህዝቢ ትግራይ ካብ በቢእዋኑ ዘጋጥምዎ ዕንወትን መስዋእትን ሓራ ክወፅእ ሰረት ሓዱሽ ስልቲ ቃልሲ ብምንባር ዳርቻ ሞት ህዝቢ ትግራይ ዘብቅዐሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ እቶም ኣባላት ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን ምርቃ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ክነረጋግፅ ኢና፣ ወሰን ግዝኣት ትግራይን መሰል ዓርሰ ውሳነን ብደምና ክነኽብር ኢና ዝብሉ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኦም፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleሰላም ባህጊ ህዝቢ ትግራይ
Next article“ድሌት ህዝቢ ትግራይ ኣይጉዕፀፅን” ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም