Home ዜና “ትግራይ ከመይ ነላልያ”

“ትግራይ ከመይ ነላልያ”

868
0

ማህደር ጥንታዊ ስልጣነን ጅግንነትን ዝኾነት ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ዉድቀት ተላዒላ ዳግም ክትህነፅ ኣብ ዝግበር ስሙር ወፍሪ ኣብ ምልላይን ምልማዕን ፀጋታትን ክብሪታትን ትግራይ ብዕቱብ ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ ፡፡

ብኣሳናዳእነት ዝተፈላለዩ ትካላት “ትግራይ ከመይ ነላልያ” ብዝብል ዛዕባ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ተሳሊጡ፡፡

ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ፅዕፁዕ መኸተ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ወራር ፀኒሓ ኢያ፡፡ በዚ ኣዕናዊ ጀኖሳዳዊ ኵናት እዉን ህዝቢ ትግራይን ሃፍትታቱን ከቢድ ዕንወትን ጉድኣትን በፂሑ እዩ፡፡ ትግራይ ካብዚ ዉድቀት ተላዒላ ናብ ብራኸ ክትሰጋገር ንፅባሕ ይሕደረለይ ዝበሃል ዉራይ ስለዘይኮነ ንዚ ንምቕያር ኣብ ዝግበር ብርቱዕ ወፍሪ ትግራይ መን ኢያ ዝብል ምንፃርን ምልላይን ከም ዘድሊ ምሁራት ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለን ይኩኖኣምላክ ተስፋይን ይዛረቡ፡፡

ብኵናት ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ትግራይ ዳግም ጠጢዓ ክትዓቢ ሓዱሽ ምዕራፍ ህንፀት ንምጅማር ኣሃዱ ንብለሉ ሰዓት ሐዚ ኢዩ እዉን ይብሉ፡፡ ትግራይን ህዝባን ዕሙቕ ፀጋታት ቱሪዝምን ጅግንነትን ዝወነነ ከም ምዃኑ መጠን እዚ ዕድል ኣብ መድረኽ ዓለም ብምልላይ ናብ ፖለቲካዉን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ምቕያር ይከኣል ኢዩ ኢሎም ፡፡

ኣባል ዓለም ለኻዉያን ሙሁራትን ሰብ ሞያን ተጋሩ ጨንፈር ትግራይ ዝኾነ ዶ/ር ፃዲቕ ኪ/ማርያም ህዝቢ ትግራይ ነቲ ገጢምዎ ዘሎ ዉድቀት ካሕሳ የድልዮ እዩ፡፡

ንትግራይ ዝጠቅም ነገር ድማ ናይ ኩላትና ጥርኑፍ ስራሕ እዩ ተግባራዊ ዝገብሮ ይብሉ፡፡ ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ትግራይ ቤት ኩላትና እያ ቤት ኩላትና ክሳብ ዝኾነት ድማ ኣብ ዳግመ ሕውየታ ሰሚርና ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ምዕባለን ዝነብረላ ትግራይ ንምግሃድ ድማ ዝፅበየና ዘሎ ወፍሪ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ብዕቱብ ክንሰርሕ ከም ዝግባእ እቶም ሙሁራት ሓቢሮም ፡፡

Previous articleዋዕላ ወፍሪ ክታበት
Next article