Home ትንታነ ትፅቢት ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ትፅቢት ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

1473
0

ግፍዕን መከራን ህዝቢ ትግራይ ዝፈትሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ዕላዊ ዝኾነሉ ጊዜ መዓዝ ይኸውን ዝብል ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ ልዕሊ 120 መዓልትታት ዘቑፀረ ውዕሊ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተበፅሐ እዚ ስምምዕነት ሰላም ሓደ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር እንትኸውን ንመፃኢት ትግራይ ዝምጥን መሪሕነት ክህሉ ብትኹረት እናተሰርሐሉ ከም ዝፀንሐ ዝተፈላለዩ መግለፅታትን መድረኻትን ዕላዊ እንዳተገበረ መፂኡ እዩ፡፡ ኣብ ውሸጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሽሉ ኩለ መዳይ ፀገማቱ ክፍተሐሉ ተስፋ እኻ እንተንበረ ሳኣን ብህፁፅ ምትግባሩ ን ጥሜትን ዓፀባን ተሳጢሑ ሕሱም ናብራ ከሕልፍ ተገዲዱ ይርከብ፡፡

በስንኪ እዚ ድማ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብሕምምን ሞትን ስቃዩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ ካብ ምውቅ መረበቶም ንልዕሊ 2 ዓመታት ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ህፃናት ኣዴታት ጠዋሪ ዘይብሎም ሽማግለታትን ውዕሊ ሰላም እንትሰምዑ ተሰፍኦም ዝለዓለ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር ስቅያትን መከራን እዞም ተመዛበልቲ ሐዚ እውን ከብቅዕ ኣይካኣለን እካ ዳኣስ እናተጋደደ ይቅፅል ኣሎ፡

ብመሰረት ፀብፃብ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ኣብ ትግራይ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፀር ሰራሕተኛ መንግስቲ ይርከብ፡፡ ንልዕሊ 22 ኣዋርሕ ብዘይ ደመወዝ ንምትን ሕማምን ተሳጢሑ ዝርከብ እዚ ሰራሕተና መንግስቲ ተስፍኡ ካብ ሞትን ስቅያትን ዘድሕን ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ይድሀ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ንኣደዳ ሞትን ሕማምን ተሳጢሑ ከም ዝርከብን እዚ ስቅያት ህዝቢ ጠጠው ክብል ድማ ምሁራት ይዛረቡ፡፡

ሕቶታትን ጠለባትን ህዝቢ ዝምልስን መሰል ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግዜ ገደብ ብምውፃእ ኣብ ሓፂር እዋን ከም ዝጣየሽ ኣካላት መንግስትን ኣባል አሰናዳዊት ኮሚቴ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር፡፡

ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብር ትግራዋይ ንኣዋርሕ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዘሎ ምጥያሽ ግዝያዊ ምም እንትኸውን ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ጥሜትን ዓፀባን ህዝቢ ትግ ፍታሕ ክረክብን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክካየድን ዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ክረጋገፅን እዚ ምምሕዳር ዝለዓለ ትፅቢት ከም ዘለዎ እናተገለፀ ይርከብ፡፡ ንምኻኑ እዚ ግፍዕን መከራን ህዝቢ ትግራይ ዝፈትሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ዕላዊ ዝኾነሉ ጊዜ መዓዝ ይኸውን ዝብል ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleሓገዝ ንውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ
Next articleሓገዝ ንህፃውንትን ሓራሳትን