Home ዜና ቻይልድ ፈንድ #child fund ዝተባሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ...

ቻይልድ ፈንድ #child fund ዝተባሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከባ 4 ኣበያተ ትምህርቲ ንዝማህሩ ተምሃሮ ልእሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋጋኡ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ለጊሱ።

507
0

እተን ሓገዝ ዝተገበረለን ኣብያተ ትምህርቲ ድጉም ፥ዛዕና፥መጋደንን ዓዲ ወሮማን እንትኾና ካብተን ብሓይልታት ጀኖሳይድ ኣዝየን ዝተሃሰያ ኣብያተ ትምህርቲ እየን።እቲ ሓገዝ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ብተወሳኺ 1000 ኮበርታ እውን ንዝተፀገሙ ወገናት ተለጊሱ እዩ።

እቲ ትካል ዕንወት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ንምፅጋን፣ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእን ንኩለመዳያዊ ሕውየት ተምሃሮ እተን ኣብያተ ትምህርትን 14 ሚልዮ ብር መዲቡ ኣብ ስራሕ ከም ዝርከብ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ምግባረ ሰናይ child fund ዝኾኑ ኣይተ ኣባዲ ዓምዱ ገሊፆም።

እዚ ድጋፍን ክትትልን ንሓደ ዓመት ከም ዝቕፅል ዝሓበሩ ኣይተ ኣባዲ ንኩለ-መዳያዊ ሕውየት ትግራይ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ክረባርቡ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።ርእሰ መምህር 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ድጉም መምህር ወልዳይ ሃጎስ ብግደኦም ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝወረደ ዕንወት ዝኸፍአ ብምዃኑ ኣብ ዝለዓለ ፀገም ኮይኖም ትምህርቲ ከምዝጀምሩ ድሕሪ ምግላፅ ስኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቐሪ ህፃን ከይህሉ ብምህሳብ ብትካል child fund ዝተገብረ ሃገዝ ንኢዶ።ሓገዝ ዝተገበረሎም ተምሃሮ ድማ ነቲ ሓገዝ ብምምስጋን ጠንኪሮም ብምምሃር ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደኦም ከበርክቱ ቃል ኣትዮም።

ብብርሃነ መስፍን

Previous articleሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ማይቅነጣል
Next articleኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት ዝግበሮ ዘመናዊ ሪልስቴት ክህነፅ ሰነድ ተፈሪሙ።