Home ዜና “ናብ ትግራይ ብመካይን ሰብኣዊ ሓገዝ ከእትው ኣይከኣልኩን።” ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም

“ናብ ትግራይ ብመካይን ሰብኣዊ ሓገዝ ከእትው ኣይከኣልኩን።” ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም

1415
0

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ናብ ትግራይ ብመካይን ሰብኣዊ ሓገዝ ከእትው ከምዘይከኣለ ዕላዊ ገይሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣወጀ ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ክሕግዝ ትፅቢት ተገይርሉ እኳ እንተነበረ ዛጊድ ግን ምምሕያሽ ከምዘይለ ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ናብ ትግራይ ክሰድድ ከምዘይከኣለ እውን ኣነፂሩ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ብነፋሪት ናብ ትግራይ ከምዘጎዓዓዘ ዝጠቐሰ እቲ ማሕበር ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው እንትነፃፀር ኣዝዩ ንእሽተይ ምዃኑ ገሊፁ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእታውን ዘይምእታውን ክረጋገፅ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

Previous articleግፍዒ ውለቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነበርቲ ጉለምኸዳ
Next articleምጅማር ስራሕ ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መስል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ