Home ትምህርቲ ናፍቆት ትምህርቲ ህፃናት ትግራይ

ናፍቆት ትምህርቲ ህፃናት ትግራይ

845
0

ህፃናት ትግራይ መፃኢ ዕድሎም ንምውሳን ዘኽእል ዕላማን ራእይን ሒዞም ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ኣብ ዝነበሩሉ እዋን መጀመርታ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ቀፂሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተኣዊጁ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ወራር ንልዕሊ 3 ዓመታት ትምህርቲ ኣቛርፆም ካብ መኣዲ ፍልጠት ርሒቖም ከምዝርከቡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ህፀናት ይዛረቡ፡፡

ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ-ፕሪቶርያን ኬንያ-ናይሮቢን ብዝተኸተመ ስምምዕነት ሰላም ፍሉይ ሓጎስ  ከምዝተሰመዖም ዝሓበሩ እቶም ህፃናት እቲ ስምምዕነት ሰላም ትምህርቶም ንምቅፃል ተስፋ ከምዝፈጠረሎም ድማ ይግልፁ፡፡

ብተወሳኺ እውን እቶም ህፃናት ሰላም ኮይኑ ዝተቛረፀ ትምህርቶም ንምቅፃል ዝለዓለ ባህጊን ናፍቆት ትምህርትን ከምዘለዎምን ናብ መኣዲ ፍልጠት ተመሊሶም መፃኢ ዕላማኦምን ራእዮምን ንምዕዋት ድልዋት ከምዝኾኑን እቲ ስምምዕነት ሰላም ብቅልጡፍ ኣብ ባይታ ተግበራዊ ኮይኑ መግቢን መድሓኒትን ክኣትወሎም ድማ ይፅውዑ፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
Next articleምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመር ውግእ