Home ዜና ንሓደጋ ምስንጣቕ ማህፀን ዝተቓልዐት ንእስቲ . . .

ንሓደጋ ምስንጣቕ ማህፀን ዝተቓልዐት ንእስቲ . . .

1036
0

ንእስቲ ትርፈ (ንክብራ ክበሃል ሽማ ዝተቐየረ) ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ዕዳጋ በርሀ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ትነብር ንእስቲ እያ።ኣብ ዕዳጋ በርሀ ዝነበረ ጥዕና ጣብያ ሙሉእ ብሙሉእ ካብጥቕሚ ወፃኢ ብምዃኑ እዛ ንእስቲ ነብሰፁር ካብዝኾነትሉ ግዘ ኣትሒዛ ክሳብ እዋን ወሊዳ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕክምናዊ ክትትል ክትረክብ ኣይከኣለትን። መዓልቲ ምዉላዳ ኣኺሉ ኣብ እትወልደሉ እዋን ድማ ከቢድ ዝበሃል ሓደጋ ምስንጣቕ (ምፍንዳእ) ማህፀን ንሱ ዝፈጠሮ ምፍሳስ ደምን ኣጋጢሙዋ ጥራሕ ከየብቅዕ ዝወለደቶ ናፅላ እዉን ህይወት ኣይነበሮን። ስድርኣ ኣብ ቀረብኣ ናብ ዘሎ ዝተወሰነ ግልጋሎት ዝህብ ሕክምና ከይወስድዋ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ( መጓዓዝያ) የለን።

ሎሚ ዶ ፅባሕ ክሓይሽ ይኸዉን እናበሉ ንሸውዓተ መዓልትታት ክፅበዩ ድሕሪ ምፅናሕ ብቓሬዛ ተሰኪሞም ጉዕዞ ልዕሊ ፍርቂ መዓልቲ ብእግሪ ተጓዒዞም ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣኽሱም በፂሖም። ሰብ ሞያ እቲ ሆስፒታል ቅልጡፍ መጥባሕቲ ብምክያድ ህይወታ ከትርፉ እኳ እንተኸኣሉ ብግዚኡ ሕክምና ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ግና ኣብ ማህፀና ከቢድን ኣስጋእን ( ደምን መግልን ዝሓወሰ) ቁስሊ ፈጢሩ እቲ ሓደጋ ናብ ካልእ ከቢድን ዝተሓላለኸን ሓደጋ ተሰጋጊሩ። እዛ በኳር ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ብዝተገበረላ ምርመራ እዉን ግዳይ ሕማም ፊስቱላ ኮይና። ክትንቀሳቕስን ሽንቲ ክትቆፃፀርን ኣብ ዘይትኽእለሉን ብርኪ ከምእትርከብ ድማ ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣኽሱም ዶ/ር ሰለሙን ሕሩይ ገሊፆም።

ዝተኣዘዘላ መድሓኒት ዓዲጉ ከቕርበላ ዓቕሚ ዘለዎ ቤተሰብ እኳ ዘይብላ እዛ ንእስቲ ስቓያ በዚ ኣየብቅዐን። ተደራራቢ ፀገማት ንስነ-ኣሙሯዊ ቅልዉላው ኣቃሊዕዋ። ድሕሪ ወሊድ ኣብ ገለገለ ኣዴታት ዝርአ ስነ-ኣእሙሯዊ ፀገም እኳ እንተሃለወ ናይ ንእስቲ ትርፈ ግና ተደራረብትን ከበድትን ፀገማት ብምዃኖምን ገና ኣብ ክሊ ዕድመ ንእስነት ምስ ምህላዋን ተተሓሒዙ ፍልይ ዝበለ እዩ ይብሉ ዶ/ር ሰለሙን ሕሩይ።
ኣብ ክትትል ስነ-ኣእሙሯዊ ሕክምና ዘላ ንእስቲ ትርፈ፣ ኣካላዊ ፅገና ምስ ኣርኣየት ምስ ኣብ መቐለ ዘሎ ውሃቢ ግልጋሎት ሕክምና ፊስቱላን ካልኦት ኣካላትን ብምዝታይ ዝሓሸ ህክምና ንኽትረክብ ክንገብር ኢና እዉን ኢሎም ዶ/ር ሰለሙን።


እዚ ኣብዛ ንእስቲ ዝወረደ መከራ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ብዘሎ ዕፅዋ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ መከራ ብግልፂ ዘርእን ዝዉክልን ከምዝኾነ ዝሰማምዑ እቶም ሜዲካል ዳይረክተር፣ “ዕድል ስኢነን ናብ ሕክምና ከይበፅሓ ዝሞታን ዝሳቐያን ዘለዋ ኣዶታት ብዙሓት ክኾና ከምዝኽእላ ንምግማቱ ቀሊል እዩ” ኢሎም።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ መከራ ንክሓፅር እቶም ኣብ ፕሪቶርያ ዉዕሊ ደው ምባል ተፃብኦ ዝፈረሙን ዘፈረሙን ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ዝተላበዉ ዶ/ር ሰለሙን፣ ብፍላይ ኣብ ኣዴታት፣ ህፃናትን ኣረጋውያንን ዝበፅሕ ዘሎ ስቓይ ዝቃለል በብኸባቢኡ ዘለዉ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ጥዕና ናብ ስርሖም እንትምለሱን እኹል ናውቲ እንትማልኣሎምን ስለዝኸዉን መንግስቲ ፌደራል ኮነ መላዘብቲ ኣካላት ንተግባራውነቱ ክሰርሑ ተማሕፂኖም።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleምስረታ ፋብሪካ ስሚንቶ ኣብ ትግራይ
Next articleንሓደጋ ምስንጣቕ ማህፀን ዝተቓልዐት ንእስቲ . . .