Home ማሕበራዊ ንፋስ ሰላም ዝዘርጉ ሓንፈሽቲ

ንፋስ ሰላም ዝዘርጉ ሓንፈሽቲ

934
0

ድሌት ሰላም ትማልን ሎሚን መርገፂ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ፡፡ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት እውን እዚ መትከል ምንባሩ እዩ ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ፡፡ ሕዚ ኲናት ትግራይ ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እውን ተግባራዊ ስጉምቲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ዘየማትእ ቁርፀኝነት ከምዘለዎም የርኢ ኣሎ፡፡ ብኣንፃሩ ገለ ኣካላት ተገዲዶም ናብ ሰላም ኣብ ዝመፁሉ ግዘ እውን ሰላም ከም ህቕታ ዝሓንቆም ገበቲ ሓይልታትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ወትሩ ልዝብ ሰላም ንምዝራግ ድቃስ ስኢኖም ይሓድሩ ኣለዉ፡፡

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መንግስቲ ትግራይ ግዜያዊ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ተበግሶ ወሲዱ ጭቡጥ ቅዋሙ ብተግባር ኣርእዩ፡፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገለ ገደብ ናብ ትግራይ ክኣቱ እቲ ተፃብኦ ጠጠው ምባል ሓጋዛይ እዩ ብዝብል ኣምር ቀዳምነት ሂቡ ሰሪሕሉ፡፡ ሽዕኡ እውን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉን ዕሱባቱን ብምልኣኽ ነቲ ኩነታት ንምሕንፋሽ ባህሪ ምዕግርጋሩ ደጊስዎ ውግእ ብምኽፋት ንፋስ ሰላም ክዝርግ ተርእዩ፡፡

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኣፋፌት ኣዲስ ኣባባ በፂሑ እናሃለወ ንሰላም ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ  መርኣያ መትከላዊ መርገፂ ምኳኑ ሽዕኡ ዝተውሃቡ መገለፅታት ቅዋም መንግስቲ ትግራይ እኳ ዘመላኽት እንተኾነ ብኣንፃሩ ነቲ ተበግሶ ንምትዕንቓፍ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዘካየድዎ ናይ ቀንጠብጠብ ፈተነታት መርኣያ ሃወኽነቶም ዘግህድ ኮይኑ ሓሊፉ፡፡  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብካልእ ሸነኽ ሰራዊቱ ናብ ኣብዓላ ብምውፋር ናብ ትግራይ ንምእታው ዝገበሮ ፈተነታትን ዘብፀሖ ግፍዕን ድሌት ሰላም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምኹላፍ ዘካየዶ ተግባራዊ ሽርሒ ነይሩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ንመቐለ ሓዊስካ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ሓራ ኣብ ዝወፃሉ እዋን  ሰነ 21/2013 ዓ.ም ከይተረፈ ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡ ኣብ በረኻታት ትግራይ ደባይ ውግእ እናተዋግአ እንከሎ እውን ንሰላም ዘለዎ ድልውነት ንፃት እውን ኣወንዚፉ ኣይፈልጥን፡፡ ዋላ እውን ኣጥፋኢናዮም ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ ዕንደራ እውን መፀዋዕታ ሰላም ካብ ምቕራብ ኣይተቖጠበን፡፡ ሰራዊት ትግራይ ንፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከም ሸውዓተ ሕጉም ዝበለ ሓያል ዓውደ #ኲናት ደምሲስዎም እናሃለወ እውን ፃውዒት ሰላም የቕርብ ነይሩ፡፡ እዚ መትከል ናይ ሓይሊ ልዕልነት ተረኸበ ተስኣነ ብዘየግድስ ዘይቅየር መትከል ምኳኑ ብተደጋጋሚ ብተግባር ኣመስኪሩ፡፡ እቲ ቅሉዕ ወራር ንምፍፃም ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ጊላታቱን እንተመኻኸሩ ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ኩነታት ብሰላም ክፍታሕ ዝሓትት ዝነበረ እውን ካብዚ መትከሉ ዘይንቕነቕ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቲ ቅኑዕ መትከል መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ብምግላፅ ልዝብ ንምክያድ ብዕሊ ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን እውን እቶም ኩሉ ነገር ምዝራግ ዝኣመሎም ገበቲ ሓይልታትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ከይበላዕክዎ በንጨርክዋ ዝዓይነቱ ፈተነታት ይወሰዱ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከይሓነኹ ኣብቲ ልዝብ #ኤርትራ ዘይትሳተፍ፣ ወልቃይት በጀት ንምንታይ ዘይተመደበሉ ዝዓይነቱ ሕቶታት ብምቕራብ ፋሕጣራይ ተግባሮም መስኪሩ ይርከቡ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ ኣብ ሰላም ዘለዎም መርገፂ ቀዳምነት ዝወሃቦን ኩነታት በዚ ኣገባብ ምፍታሕ ዝከኣለሉ በሪ ክዕፆ ድሌት ከምዘይብሎም ከረጋግፁ ፀኒሖምን ኣለዉን፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንፋስ ሰላም ክነፍስ ኣብዝበለሉ እዋን ብዝተፈላላዩ ከባቢታት ነገር ናይ ምፅሕታር ፈተነታት ኣካይዱ፡፡ ሕዚ እውን ግን ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቅነ ንዝነፈሰ ኣየር ሰላም ንምዝራግ ይንቀሳቐሱ ዘለዉ ሓይልታት ጭርሖኦምን መደረኦምን እንተዘይተዋጊኢና ሞይትን ንሓድር ኣለና ዝዓይነቱ ይመስል፡፡ 

እዚ ድሌት ቅዋም ሰላም ናይ ሎሚ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ትማሊ ዛንታ እውን እምበር፡፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመት እውን ዝነበሩ መትካለት ሰላም እንተረኣዩ ዳርጋ ታሪኽ ይድገም ኣሎ ክትብል የገድደካ ፡፡   

ንገለ ታሪኩ ንምዝኽኻር ህወሓት ሳልሳይ ጉባኤ ምስ ኣሳለጠት ድሕሪ ክልተ ቅነ መጋቢት 1981 ዓ.ም ሓደ ፃውዒት ሰላም ዝጠልብ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ ፍታሕ ብምቕማጥ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪባ ነይራ፡፡ ገለ ፖለቲከኛታት ድማ ህወሓት ወተሃደራዊ ልዕልነት ኣብ ዘረጋገፀትሉ ግዘ ነቲ ፃውዒት ሰላም ምዝርጋሓ ንወታሃደራዊ ልዕለነታ ኣሕሊፋ እትህበሉ ዓይነት እዩ ብምባል ርእይትኦም ዝሃብሉ እዋን ነይሩ፡፡ ሽዕኡ ህወሓት መፀዋዕታ ሰላም  ምስኣቐረበት ተኸታታሊ ዝርርባት ሰላም እናኻየዱ እንከለዉ ደርግ ወተሃደራዊ ስርሓቱ ግን ኣየቋረፀን ጥራሕ ዘይኮነስ ደርግ ነቲ መፀዋዕታ ሰላም ኣይተቐበሎን፡፡ ምኽንያቱ እቲ እማመ ሰላም ንዕኡ ዘምበርክክ ገይሩ ከምዝቖፀሮ መፅሓፍ ፅንዓት ዛንታ ኣስፊሩሎ፡፡ 

ደርግ ነቲ መፀዋዕታ ሰላም ንጎድኒ ገዲፉ ወተሃዳራዊ ንጥፈታት ኣብ ዘሳልጠሉ እዋን ህወሓት/ኢህወዴግ ነቲ ደርግ ብሰላም ዘይተቐበሎ እማመ ሰላም ብሓይሊ ክቕበሎ ንምግባር ወፍሪ ሰላም ብቃልሲ ዝብል መጥቃዕቲ ምስ ጀመረ ደርግ ሓንሳብ እሺ ንሸማገል ፤ ካልእ እዋን ድማ ኣይንሸማገልን ዝብል ፀዋታ ሸለውላጋ ምፅዋት ቀፂሉ ምንባሩ ታሪክ ሰኒድዎ ኣሎ፡፡

ህወሓት ዋላ ዓወት እናሓፈስ እውን ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ ከምዝነበረ ዘመላኽት ቅዋም እዩ ዝርአ፡፡ ደርግ ነቲ ፈላሚ ፃውዒት ምስተሓሰመ ብናይ ባዕሉ ጀነራላት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተካይዱ ምስኣፍሸሎ ምስ ህወሓት ንምዝታይ ተስማዕሚዑ  ግንቦት 8/1981 ምካኑ እዩ፡፡ ቀፂሉ እማመ ሰላም ህወሓት /ኢህወዴግ ናብ በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ፕሮግራም  ስግግር መንግስቲ ኣውፀአ፤ ግን ደርግ ኣይተቐበሎን፡፡

ድሕሪ ክልተ ዓመት 1983 ዓም ወርሒ ግንቦት ከይተረፈ ምስ ደርግ ኣብ ለንደን ዘተ ምክያድ ቀፂሉ፡፡ እዚ ኣብታ ደርግ ሓንቲ ሓሙስ ተሪፋቶ ዝነበረት እዋን ምኳና ስዒቡ ድልውነትን ሰላምን ዝተወሰደ መርገፅን ክንደየናይ ንሰላም ዘሎ እምነትን መርገፅን ዘይቅየር ምኳኑ ኣርእዩ ሓሊፉ፡፡

ናብቲ ምጅማር ቃልሲ ሀዝቢ ትግራይ እንተመሊስካ እውን ተመሳሳሊ መርገፅ ሰላም ከምትረክብ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ 17 ዓመት ሰፊሩሎ፡፡ ሽዕኡ ህወሓት ዝብል ስም ቅድሚ ምምፅኡ ተሓህት ምስ ሽዕኡ ዝነበራ ከም ኢድዩ፣ ኢህኣፓ፣ ዝበላ ውድባት ካብ ምድማይ ዘይምድማይ፣ ካብ ምርሕሓቕ ምቅርራብ ይምረፅ ዝብል መትከል ብምሓዝ፣ ተሓህት ብተደጋጋሚ ልኡኻት ትሰድድን ንልዝብ ቁሩብ ምንባራን ይዝንቶ፡፡

ውድብ ተሓህት ምስ ኢድዩ ኮነ ምስ ኢህኣፓ ንምልዛብ ፈተነታት እናካየደት መፂኣ፡፡ እቲ ምስ ኢድዩ ንምዝርራብ ናብ ከባቢታት #ተከዘን #ወልቃይትን ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ተሰዲዶም ኣብ ሞንጎ ተሓህትን ኢድዩን ውግእ ጠጠው ኢሉ ዕርቂ ከነግስን እቶም አካላት ንሓበራዊ ረብሓ ክቃለሱን ንምግባር ዝተኻየደ ልዝብ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሰፈሩ ታሪኻት ሓደ ኮይኑ ዝተመዝገበ ቅዋም እዩ ፡፡

ንፈላማ እዋን ኣብ መነኽሰይቶ ተሓህትን ኢህኣፓን ርክብ ገይሮም ኣብ ስሙር ግንባር ብሄራዊ ሕቶን ኣፈላላይ ስለዘተፈጠረ ክረዳድኡ ኣይከኣሉን፡፡ ድሕሪኡ ብረታዊ ቃልስን ተፈጥሮን ደርግ ብዝምልከት ክልቲኦም ውድባት ዘተ ኣካይዶም፡፡ ግን መሪሕነት ኢህኣፓ ብዛዕባ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተሓህት ክተምህረና ኣይትኽእልን ብዝብል ንዕቐት ምሕዳሮም መዝገብ ታሪክ እንትትግንፅል እቲ ብድሆታት ቀደም እውን ከምዝነበረን ዘመላኽት እዩ፡፡

ስለዝኾነ እዚ ንሰላም ተባሂሉ ዝኽፈል መስዋእቲ፣ ትዕግስትን ተፃዋርነትን ብሓደ ገፅ፤ ዘይንቕነቅ መትከል ድማ ብካልእ ገፅ ኣብ ሓደ መድረክ ዘጋጥሙ ምኳኖም ብምርዳእ ንሰላም ዓብዪ ዋጋ ብምሃብ፤ ጎንፅታት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ዘስልጠነ ኣተሓሳስባ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቀፂሉ ከምዘሎ ዘረጋግፅ እዩ፡፡

ብመሰረት ታደሰ

Previous articleዘይልወጥ ቅዋም ህዝቢ ወላይታ
Next articleከይዲ ምፅራይ ቅትለት ህፃናት