Home ዜና ኢትዮጵያ ብምምዝባል ውሽጢ ዓዲ ቕድሚት ተሰሪዓ፡፡

ኢትዮጵያ ብምምዝባል ውሽጢ ዓዲ ቕድሚት ተሰሪዓ፡፡

932
0

ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ብምሓዝ ካብተን ብርክት ዝበሉ ተፈናቐልቲ ዘለውወን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ፡፡ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኢንተርናሽናል ዲስፕለስመንት ሞኒተሪንግ ሴንተር ዝተባህለ ትካል ክሳብ መወዳእታ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መላእ ዓለም ቁፅሪ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣስታት 60 ሚልዮን ከምዝበፅሐ ድሕሪ ምሕባር ብኣብዛሓ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡለን ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኮይነን ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ተመዚጊቡ ዘሎ ሓሙሽተ ሚልዮን በዝሒ ተፈናቐልቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተመዝገበ እቲ ዝገዘፈ ኣሃዝ እዩ ክብል ገሊፁ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ቁሉዕ ወራር ሲዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቂሎም ግዳይ ዓፀቦን ሕማምን ምዃኖም ድማ እቲ መፅናዕቲ ኣገንዚቡ፡፡ዳይሬክተር ኢንተርናሽናል ዲስፕለስመንት ሞኒተሪንግ ሴንተር ኣሌክሳንደር ቢላክ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዘላቕን ዘተኣማምንን ኩነታት ክፍጠረሎም እንተዘይተካኢሉ ፀገም ተመዛበልቲ ክፍታሕ ከምዘይኽእል ኣስሚረምሉ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleዝተጨወየ ናፃነት ህዝቢ ኤርትራ
Next articleመንግስቲ ትግራይ ን4,208 ሙሩኻት ምሕረት ገይሩ።