Home ዜና ኢትዮጵያ ተካርያቶ ንዝነበረት ወደብ በርበራ ተመንጢላ፡፡

ኢትዮጵያ ተካርያቶ ንዝነበረት ወደብ በርበራ ተመንጢላ፡፡

1221
0

ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ እትግዛእ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ተካርያቶ ንዝነበረት ወደብ በርበራ ከምዝሰኣነቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጡ፡፡

መንግስቲ ሶማሊ ላንድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ ዝነበራ ሽርክና 19 ሚኢታዊ ከምዝተመንዘዐት ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ክራይ ወደባት ዝነጥፍ ዲፕ ወርልድ ዝተባህለ ኩባንያ ሕቡራት ኢመሬት ዓረብን መንግስቲ ሶማሊ ላንድን ኣብ ዓመተ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ንዝፈፀምዎ ስምምዕነት ምሕደራ እቲ ወደብ ዝቅልብስ ምዃኑ እዩ ኣዲስ ስታንዳርድ ዘነፀረ፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንነዘ ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘራያት ዓዲሙ ዝፈፀሞ ቁሉዕ ኲናት ጀኖሳይድ ትግራይ ሲዒቡ ክንዮ እቲ ኣብ ባይታ ዘጋጠሞ ሰፍ ዘይብል ወተሃደራውን ፖለቲካውን ክሳራታት ቁጠባ ናይታ ዝዝውራ ሃገር እውን ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝበኣሰ መልክዑ እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላው ፀብፃብ ብሉምበርግ የገንዝብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደ ዶላር 82 ብር ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ኣብ ባንኪ ድማ 52 ብር ይሽረፍ ከምዘሎ ዝሓበረ ብሉምበርግ ምስ ሕሉፍ ወርሒ ግንቦት ክነፃፀር እንከሎ ዝቕባበ ሸርፊ ወፃኢ ብ26 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ ክብል ኣነፂሩ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleኢዶም ዝሃቡ ሰራዊት ኤርትራ
Next articleቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ