Home ዜና ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ከፃሪ ንዝሰርሕ ዘሎ ላዕለዋይ...

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ከፃሪ ንዝሰርሕ ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በጀት ከይስልዐሉ ክትብል ዘቕረበቶ ሕቶ ተነፂጉ።

1272
0

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ከፃሪ ንዝሰርሕ ዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በጀት ከይስልዐሉ ክትብል ዘቕረበቶ ሕቶ ተነፂጉ።

መንግዝቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብእዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘይሻራዊ መፅናዕቲ በጀት ክስልዐሉ ኣይግባእን ክብል ንዘቕረቦ ሓሳብ፣ ዉድቂ ተገይሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኩለመዳይ ገበን ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን በጀት ክምደበሉን ብኣብዝሓ ድምፂ እተን ተሳተፍቲ ኣባል ሃገራት ፀዲቑ።
ኣብቲ 39 ሃገራት ድምፀተኣቅቦ ዝኽዕናሉ መረፃ፣ 66 ሃገራት እቲ በጀት ንኽፀድቕ እንትድግፋ፣ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከብአን 27 ሃገራት ድማ እቲ በጀት ከይፀድቕ ድምፀን ሂበን ከም ፀብፃብ ሮይተርስ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን እቲ ብዳኒኤል በቀለ ዝዝወር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢ/ያን ብሓባር ዝገበርዎ ዘይምሉእን ዘይርትዓውን ዳህሳስ ተነፂጉ ከምብሓዱሽ ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረ እንትውሰን እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ግና ፍፁም ከምዝነፀጎን ከምዘይተሓባበርን ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር።
ብተስፋዝጊ ዓስበይ

Previous articleጋዜጣዊ መግለፂ ሴናተራት ግዝኣት ጆርጅያ ኣሜሪካ
Next articleብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ሱዕዲ ዓረብ ተጠሪዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።