Home ዜና ኣሜሪካ ኲናት ትግራይ ክቕፅል ንዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ሓዱሽ ማዕቐብ ክተንብር ብሓደ...

ኣሜሪካ ኲናት ትግራይ ክቕፅል ንዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ሓዱሽ ማዕቐብ ክተንብር ብሓደ ነባር ዲፕሎማት ኣሜሪካ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

1305
0

ኣሜሪካ ፣ እንግሊዝን ሕብረት ኣውሮፓን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣፅዋርን ፋይናንሳዊ ደገፍን ከይረክብ ክሰርሓ ከምዝግባእ ነባር ዲፕሎማት ኣሜሪካ ስቲቭ ኤንደርሰን ፀዊዖም፡፡ ኣሜሪካ ዘርቀቐቶም ሕግታት ኤስ – 3199ን ኤችኣር – 6600ን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክፍጠር ዝሕግዙ ማዕቐባት ብምዃኖም ብህፁፅ ተግባራዊ ክኾኑ እቶም ነባር ዲፕሎማት ምዒዶም፡፡ስቲቭ ኤንደርሰን ካብ 1993-2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣባል ትካል ድሕንነት ኣሜሪካን ዳይሬክተር ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገርን ዝነበሩ እዮም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ብዘካየዶ ወራር ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበ ከምዝኾነን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ብዘይገደብ ንኽበፅሕን ዘላቒ ዝኾነ ሰላም ንኽፍጠርን እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ግዝያዊ ስምምዕነት ተፃብኦ ደው ከብል ምውሳኑ ብዕሊ ምስ ኣፍለጠ ማሕበረሰብ ዓለም ተስፋ ገይሩ ምንባሩ እቶም ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣዘኻኺሮም፡፡ኮይኑ ግና ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንይምሰል ኣብዚ እቶ ዘይትብሎ ውሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ክሓልፍ ካብ ምፍቃድ ወፃኢ ከካይዶ ዝፀንሐ ዕፅዋን ክባን ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ምህላዉ ስቲቭ ኤንደርሰን ገሊፆም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፀሞ ገበን ጀኖሳይድ ኣይኣክልን ኢልዎ ሕዚ እውን ብሽም ሰላም ንዓለም እንዳታለለ ንዳግማይ ጥፍኣት ሰራዊቱ ብኣንፈት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን የፀግዕ ምህላዉ እቶም ሙሁር ወሲኾም ገሊፆም፡፡ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ ንኹሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ንኽካየድ ዘኽእል ኣሜሪካ ዘርቀቐቶም ሕግታት ኤስ – 3199ን ኤችኣር – 6600ን ኣብያተ ምኽሪ እታ ሃገር ከፅድቕዎም ከም ዝግባእን ፕረዚደንት ጆባይደን ድማ ብህፁፅ ተግባራዊ ክኾኑ መሪሕነቶም ከዕርፉ እቶም ነበር ዲፕሎማት ኣሜሪካ ሓቲቶም፡፡

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣፅዋርን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ከይረክብ ኣሜሪካ ፣ እንግሊዝን ሕብረት ኣውሮፓን ደው ከብለኦ ስቲቭ ኤንደርሰን ብምፅዋዕ ህይወት ንፁሃት ሰባት ንኽጠፍእ ይገብራ ዝነበራ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስን ቱርክን ብዕድጊት ወይ ብውህብቶ ንከይረክብ ድማ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብህፁፅ ደው ከብለኦ ይግባእ ኢሎም፡፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኑ ፅዕንቶ ክገብር እቶም ነባር ዲፕሎማት ፀዊዖም፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዳግም ንትግራይ ዝወርር እንተኾይኑ ክዕወት ኣይኽእልን ዝበሉ ነባር ዲፕሎማት ስቲቭ ኮይኑ ግና ዳግም ብሰማይ ኮነ ብምድሪ ዘካይዶ ወራር እንድሕር ሃልዩ ኣብ ሃገራዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ደገፍ ከይግበረሉ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም፡፡ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ መሻርኽቱ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ከምዝፈፀሙን ሕዚ እውን ነቲ ገበን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ከምዘለዉ እቶም ዲፕሎማት ሓቢሮም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous articleዝሰመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምሕያል ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ትግራይ ገሊፆም፡፡
Next articleዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ