Home ዜና ኣረሜንያዊ ተግባር ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

ኣረሜንያዊ ተግባር ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ

779
0

ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ጀኖሳይድ መረዳእታ ንምሕባእ ዝፍፅምዎ ዘለው ገበን ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቀ ኣረሜናዊ ተግባር ከምዝኾነ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም፡፡ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን መሻርኽቶምን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናፈፀሙን ኣብ ምፍፃምን ይርከቡ፡፡

እቶም ገበቲ ሓይልታትን መሻርኽቶምን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ተሓቢኡ ዘይሕባእን ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦን እኳ እንተኾነ መግለፂ እከይ ተግባሮም ግን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍ ንምሕባእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ንምፅራይ ወሲኑ ምንቅስቃስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝተጨፍጨፉ ኣስክሬን ካብ ዝተፈላለዩ መቃብራት ተኳዕቱ ናብ ክልል ኣምሓራ ክኸይድ ተገይሩ እዩ፡፡

ሐዚ ድማ ናይ ገበን ገበን እቲ ኣስክሬን ብገበቲ ሓይልታትን ልሂቃንን ኣምሓራ ብመርሕነት ዩንቨርስቲ ጎንደር ብሓውን ብኬሚካልን ክቃፀል ይገብር ከምዘሎ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ እናፀብፀባ እየን፡፡መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት እቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኣስከሬን ብኬሚካልን ብሓውን ናይ ምቅፃል እከይ ተግባር ብደቂ ሰባት ክፍፀም ኢልካ ዘይሕሰብ ኣረሜናዊ ተግባር ከም ዝኾነን እዚ ድማ መቐፀልታ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ዝኾነ ሰይጣናዊ ተግባር እዩ ኢሎም፡፡እቲ ሐዚ ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣስከሬን ብኬሚካልን ብሓውን ናይ ምቅፃል ተግባር እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ጀኖሳይድ መረዳእታ ንምጥፋእ ዕላማ ዝገበረ ዋላኳ እንተኾነ እቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈልጦ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ሐዚ ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን መሻርኽቶምን ዝፍፀም ዘሎ ባርባራዊ ተግባር እምነት ኣለኒ፣ ስርዓት ኣለኒ ዝብል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ብቅልጡፍ ዓገብ ክብልዎ ይግባእ ክብሉ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፀዊዖም፡፡

ብሃፍታሙ ገ/ስላሰ

Previous articleዓመታዊ ጉባኤ ትካል ጥዕና ዓለም
Next articleThe economist ፋሽስቱ የአብይ ቡድን በኢትዮጵያ ለጋዜጣው የሚዘግበውን ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነርን በ48 ሰዓታት ውስጥ ከኢትዮጵያ እንዲባረር የወሰደው እርምጃ ተቀባይነት እንደሌለው አስታወቀ፡፡