Home ዜና ኣቓልቦ ዝሰኣነ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት

ኣቓልቦ ዝሰኣነ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት

1448
0

ኣደዳ ሞት፣ ስቓይን ማእሰርትን ወገናትና ዝኸዉን ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደት ጠጠዉ ንምባል ከም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቦም ክሰርሕሉ ይግባእ ተባሂሉ።

በብመዓልቱ ተጋሩ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ናብ የመንን ስዑዲ ዓረብ ክበጽሑ ተስፋ ብምግባር 2000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ተስፋ ዘቑርፅ ጉዕዞ ብእግሮም ይብገሱ ይብል ማዕኸን ዜና ፍራንስ 24 #France 24።

መስመሮም ብሃልሃልታ ሃሩርን ፀሓይን እናተቓፀሉ ንበረኻታት ዓፋር፣ጅቡቲ፡ ቀይሕ ባሕርን ኣቢሎም ናብታ ብኲናት ሕድሕድ ዝተሃስየት ሃገር የመን ከም ዝሰግሩን ኣብቲ ኣዝዩ ንህይወት ፈታኒ ዝኾነ ጉዕዞ ኣማኢት ሰባት ንወሽመጥ ኤደን እናሰገሩ ብድኻም፣ ጥሜትን ፃምእን ኣብ በረኻ ይሞቱ ወይ ይጥሕሉ።

እዞም ብሰንኪ ስእነት ግንዛበን ደለልትን ተታሊሉ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ እንጀራ ኣለሻ ዝጓዓዙ ወገናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዶባት የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝርከብ ራጎን ካልኦት ከባቢታትን ብጥሜትን ሸፋቱን በቢመዓልቱ ይረግፉ ከም ዘለዉ ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ርኢቶኦም ዝሃቡ ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ተጋሩ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዛዕባ ኮይኑ ዝርከብ ኣብ በረኻታት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ህይወተን ዝሓለፈ ኣዋልድን ካልኦት ሸፋቱ ገንዘብ ኣምፅኡ እናበሉ ዘሳቕይዎም ዝረኣዩ ፎቶታትን፣ እዚኣቶም መርኣያ ናይቶም ኣብ ኣብ በረኻታት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት መዓልታዊ ዝበፅሕ ፍፃመ እዩ ክብሉ እዉን ሓቢሮም፡፡

እቶም ህይወት ወገናቶም ኣረኪሶም ጅብኦም ክመልኡ ዝንቀሳቐስሱ ደለልቲን ሸፋቱን ኣብ ትግራይ ካብ ጣብያ ጀሚሩ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዓፋር፣ጅቡትን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ዝተዘርገሐ ህይወት መናእሰይ ዝበልዕ ናይ ጥፍኣት ሰንሰለት ኣቢሎም ከም ዝትግበርዎ ኢዩ ድማ ገሊፆም ፡፡

ብዉሕዱ እቶም ስደተኛታት ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 16 ሽሕ ሪያል ወይ እዉን ክሳብ 400 ሽሕ ዝበፅሕ ቅርሺ ነቶም ደላሎን ኣስገርቲ ባሕርን ከም ዝኸፍሉን እዚ ኩሉ ከፊሎም ድማ ገሊኦም እታ ክበፅሕዋ ዘተስፈውዋ ዓዲ ከይረኣዩ ኣብ ምድረበዳ፣ ባሕሪን ብጥሜት፣ፃምእን ደኻምን ይሞቱ ገሊኦም ድማ ብጥይት ሓለዉቲ ዶባት ስዑዲን የመንን ሞትን ኣካል ምጉዳልን ይበፅሖም ከምዘሎ ንትግራይ ቲቪ ሓቢሮም።

ስለዚ ድማ ይብሉ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ እዞም ብደለልቲ ተታሊሎም ናብ ስደት እናወሓዙ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ማእሰርትን ይኾኑ ዘለዉ ወገናት ስቓዮም ጠጠዉ ንምባል ከም መንግስትን ህዝብን ትግራይ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉን ነቶም ደለልቲ እዉን ኣብ ቀይዲ ከዉዕሎም ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ የመንን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናትና ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለም ለኻዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ብምዝርራብ ግቡእ ኣቓልቦ ክወሃቦምን ናብዓዶም ክምለሱ ዘኽእል ስራሕቲ ክስርሑ ይግባእ እዉን ኢሎም፡፡

#ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ልዝብ ንምግባር መደብ ሒዞም ምህላዎም ተገሊፁ።
Next articleሰለማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ትግራይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ኣቓልቦ ረኺቡ