Home ዜና ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም...

ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

503
0

ኣባላት እታ ማሕበር ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ኣብ ልዕሌና እውን በፂሑ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ግን ዝግበኣና ኣበል ክኽፈለና እናተገበኦ ዛጊድ ክኽፈለና ኣይከኣለን ኢሎም።ስለዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል መሰሎም ኣኽቢሩ ኣበል ጥሮታ ክኸፍሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ እዮም ኣሳሊጦም ዘለዉ።

ሓላፊ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕሰና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ርጅን ሰሜን ኣይተ ክንፈ ኣዳነ እቶም ጡረተኛታት ዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምብፃሕ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ኣለዉ።እቶም ጥሮተኛታት ዘለውዎም ሕቶታት ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምቕራብ ናብ ቤትፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣምሪሖም ።

Previous articleኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ኢድ ምምሕዳር ትግራይ ክኣቱ ብዕቱብ ንሰርሕ ኣሎና ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።
Next articleሞት ህፃናት ትግራይ