Home ጥዕና ኣብ ልዕሊ ፀገም ተመሓላላፊ ሕማም መገረም

ኣብ ልዕሊ ፀገም ተመሓላላፊ ሕማም መገረም

722
0

—-

መረዳእታ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ከም ዘመላኽቶ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣስታት 201 ናይ መንግስቲ 162 ድማ ናይ ውልቀ ማእኸል ግልጋሎት ጥዕና እንስሳ ምንባረን እዩ፡፡

ሐዚ ግን ኣብቲ ሓራ ዘይወፀ ከባብታት ትግራይ ከይሓወስካ 176 መንግስታዊ ማእኸላት ጥዕና እንስሳ ብሙሉእን ብኽፋልን ዓንየንን ተወሪረንን ግልጋሎት ናብ ዘይህባሉ ብርኪ በፂሐን እየን፡፡

በዙይ ምኽንያት ድማ ሃፍቲ እንስሳ ትግራይ እኹል ክታበት ክረኽባ ብዘይምኽኣለን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተቓሊዐን ግዳይ ሞትን ሕማምን ከም ዝኾና ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሓለዋ ጥዕና እንስሳ ትግራይ ዶ/ር ገብሩ ለገሰ ገሊፆም፡፡

ዛጊድ ብዘተቖራረፀን ንኹለን ወረዳታት ዘየካተተ መፅናዕቲ ከም ዘረድአና ልዕሊ 241 ሽሕ እንስሳ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝተጠቐዓን ካብዚኣተን እተን ኣስታት 38 ሽሕ ከም ዝሞታ እቲ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝማሓላለፍ ሕማም መገረም ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ሓላፊ ፣ሓላፊቶ ፣ ጣፍያን ካልኦትን እንዳተባህለ ዝፅዋዕ ተማሓላላፊ ሕማም ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ላዕላይ ቆራሮ፣ ሳምረ፣  ፃዕዳ እምባን ቆላ ተንቤንን ከም ዝተራኣየ ዶ/ር ገብሩ ለገሰ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ኣብ ሓደ ጣብያ ጥራሕ ኣብ ዓዲ ግሽቲ 34 ሰባት ሓሚሞም እቶም ክልተ ከምዝሞቱን ብተወሳኺ ድማ 30 እንስሳ ሓሚመን እተን 23 ከምዝሞታን ገሊፆም፡፡

ሕማም መገረም ኣብ ሰብን እንስሳን ብማዕረ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ፡፡ ሕማም መገረም ሓመድ ወለድ ባክተርያ ስለ ዝኾነ ኣብ ሓመድ ተቒቢሩ ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ዝኽእል ከቢድ ተማሓላላፊ ሕማምእዩ፡፡

ብሙዃኑ ድማ ሓረስታይ ትግራይ ነዚ ተገንዚቡ በቲ ሕማም ዝተጠቐዐ እንስሳ እንተጋጥሞ እንተኺኢሉ ዝተረጋገፀ ባህላዊ ሕክምና ክጥቀም ካብዚ ሓሊፉ እቲ እንስሳ እንተሞይቱ ድማ ሰለስተ ሜትሮ ጉድጓድ ኲዒቱ ትሕቲ መሬት ክቐብሮን ስግኡ ከይምገብን ኣገንዚቦም፡፡

ሕማም መገረም ኣብ ሰብን እንስሳን ዝመሓላለፍን ግዜ ዘይህብ ቐታሊ ሕማም ስለ ዝኾነ በቢ ኸባቢኡ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና እንስሳ ድማ ኣብ ሓረስታይ ትግራይ እኹል ደገፍን ክትትል ክገብሩን ብዘተፈላለዩ መንገድታት ካብቲ ሕማም ንምድሓን ፃዕርታት ክገብሩን ዶ/ር ገብሩ ለገሰ ምዒዶም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ትግራይ
Next articleብዘይምቁራፅ ዝቕፅል ዘሎ ጀኖሳይድ