Home ዜና ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ትግራዋይ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ፀገም ህዝቢ ትግራይ...

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ትግራዋይ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ። – ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

706
0

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ኣፍረይቲ ትካላት፣ ማሕበረሰብ ንግድን ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ምስ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔን ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣተገባብራ ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብዕምቆት ዝዘተዩ ኮይኖም ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ናይ ዳግመ ሕውየት ጉዕዞ ኣመልኪቱ ዝተፈላላዩ ሕቶን ሪኢቶን ቀሪቡ ተዘትይሉ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ህንፀትን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ፍሉይ ብፅሒት ዘለዎም ዛዕባታትን ምስ መንግስቲ ፌደራል ይኹን ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓባር ክፍትሑ ዘለዎም ነጥብታታን መሓዉር ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ክነጥፈሎም ዝግባእ ሓሳባትን ተላዒሎም ።

እቶም ሕቶታትን ሪኢቶታትን ድማ ኣብ ጉዳይ ስርዓት ኢንቨስትመንትን ንግድን ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ከመይ ክመሓየሽ ከም ዘልዎ፣ ኣብ ጉዳይ መሬትን ፀጥታን ዘሎ መሰከፊ ኩነታት ከይዱ ከይዱ ናብ ስርዓት ኣልባነት ከይሰጋገር ሕብረተሰብ ማእኽለ ዝገበረ ስራሕ ክዉገን ይግባእ ኢሎም።ነቶም ካብቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳ መልሲ ዝሃቡ ኾይኖም ብፍላይ ድማ ፀላእቲ ንዘካየድዎ ዝተዋደደ ፅንተትን ዕንወት ሃፍትን ሓባራዊ መፍትሒ ብምቕማጥን ተዋዲድካ ምስራሕን ከም ዘድሊ ብምሕባር ብቐንዱ ግን ካብ ልሙድ መንገዲ ወፂና ሉኡኽና እንትንፍፅምን ዝነበሩና ኣሰራርሓታት ፈቲሽና ብሓዱሽ ኣወዳድባ ምስራሕ ከድሊ እዩ ክብሉ ሓቢሮም ።

ብተወሳኺ እዉን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ትግራዋይ ፀንቂቕካ ብምጥቃምን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ድማ ጎንፂ ብዝፈትሕ ኣገባብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዉሑስ ናብ ዝኾነሉ ብርኪ ክነብፀሖ ኢና ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ነጋዳይን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወት ሃፍቲ ብቐሊሉ ዝሓዊ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ነዚ ንምክሕሓስ ድማ ኩሉ ዓቕሚ ወዲብካን ዝመሓየሹ ኣሰራራሕታታ ብምፍታሽን ቀፀልቲ ዝኾኑ መድረኻት ብምፍጣር ናብ ሱጡም ምርድዳእ ብምብፃሕ ሕወየት ትግራይ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ቀፀልቲ ዕማማት ከም ዘለዉ ብምሕባር ምስ ፌደራል መንግስቲ እውን በቲ ስምምዕነት መሰረት ሰፋሕቲ ናይ ምትእምማን ስራሕቲ ይዉገን ከም ዘሎ ሓቢሮም ።

ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ኣብ ምትግባር ንዘጋጥሙ ፀገማት ሓበራዊ ርዲኢት ንምፍጣርን መፍትሕታት ንምቕማጥን ምስ ዝተፈላላዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ሰፋሕቲ መድረኻት ምስላጡ ከም ዝቕፅል ዉን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ። ብዮሃንስ ብርሃነ

Previous articleመግለፂ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ
Next articleመግለፂ ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ