Home ዜና ኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ

ኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ

926
0

ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪል ማሕበራት ትግራይ ምጥያሹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ግፍዕን ፅንተትን ብዝተማእኸለ መንገዲ ተፀኒዑን ተሰኒዱን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን ዝሕግዝ ማሕበር ከምዝኾነ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ገሊፆም፡፡እቶም ኣንባሳደር ነዚ ዝገለፁ እቲ ጥምረት ዕላዊ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ተረኺቦም መፅናዕታዊ ፅሑፍ እንተቕርቡ እዩ፡፡

ጥምረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ስቪክ ማሕበራትን ዲፕሎማስን ዝብል ርእሲ ብዋና ፈፃሚ ዳይሬክተር ሕብረት ማሕበራት ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ረዳት ፕሮፌሰር ያሬድ በሪሁ ድማ ግደ ስቪክ ማሕበራት ኣብ ምቅላዕን ምስናድን ሰብኣዊ ጥሕሰትን ፅንተትን ትግራይ ዘተኮሩ ክልተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም ተዘትይሎም እዩ፡፡ ነቲ መፅናዕቲ ዘቕረቡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብ ምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ግደ ስቪክ ማሕበራት ልዑል ብምኻኑ ሕሉፍ ቃልሲ ወለድና ብምዕቃብ ንቐፃሊ ወለዶ ዘተኮረትን ትግራይ ንምፍጣር ብሕብረት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መንነት ትግራይን ተጋሩን ንምጥፋእ ደቂሶም ኣይፈልጡን ዝበሉ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢሙና ዘሎ ዝተዋደደ ወራርን ግፍዕን ስዒርና ንምውፃእ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓድነትና ክነጠናኽር ይግባእ ኢሎም፡፡ዋና ኣፈፃሚ ዳይሬክተር ሕብረት ማሕበራት ስቪክ ማሕበረሰብ ትግራይ ረዳት ፕሮፌሰር ያሬድ በርሀ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፈታኒ መድረኽ ስዒሩ ንምፅዋእ ብሓድነት ዝሰርሐሉ እዋን ሕዚ ብምኻኑ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሳዕ ዝሕተቱ ኣብ ጎኒ እዚ ጥምረት ተሰሊፉ ኣድላይ ምትሕብባር ክገብር ይግባእ ኢሎም፡፡ኮምሽነር መፅናዕቲ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ የማነ ዘርኣይ ህዝቢ ትግራይ በቢመዋእሉ ዝፈፀሞም ዓወታት ብምዕቃብ እቶም ንውድቀቱን ዕቤቱን ዕንቅፋት ዝኾኑ ድኽመታት ብምእራም ብኩለመዳይ ዕቤታ ዝተረጋገፀ ዘመናዊት ትግራይ ንምፍጣር ኣብ ሳይንሳውን ፍልጠትን ዝተመስረተ ቃልሲ ብምውላዕ ብሕብረት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ምሁራን መዳርግቲ ኣካላትን ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዕንክሊልን ውድቀትን ክድሕን ፈታውን ፀላእን ነፂሩ ብምፍላጥ ብሓድነት ተቃሊሱ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ መንነቱን ከረጋግፅ ይግባእ ኢሎም፡፡ ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ትበታተን ኣላ፡፡
Next articleዕማም ተሓለቕቲ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ