Home ማሕበራዊ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ህዝቢ ዓለም ብዝግባእ ከይፈለጦ ከምዝፀንሐ ላዕለዎት ሰብ...

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ህዝቢ ዓለም ብዝግባእ ከይፈለጦ ከምዝፀንሐ ላዕለዎት ሰብ ሞያ መፅናዕቲ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሂይማን ራይትስ ዎችን ሓቢሮም፡፡

1087
0

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ህዝቢ ዓለም ብዝግባእ ከይፈለጦ ከምዝፀንሐ ላዕለዎት ሰብ ሞያ መፅናዕቲ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሂይማን ራይትስ ዎችን ሓቢሮም፡፡

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሰራዊት ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድ፣ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራን ዝበፅሐ ግፍዒ መሰረት ገይሮም እቲ ዝተፈፀመ ፅንተትን ኣስካሕኻሓይነቱን ዝገልፅ መፅናዕቲ ንዓለም ዕላዊ ገይሮም እዮም፡፡ኣብ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ዕፅዋ ጉጅለ ፋሺስት ኣብይ ኣሕመድ እቲ ገበን ህዝቢ ዓለም ብዝግባእ ከይፈለጦ ከምዝፀንሐ ኣብቲ ሓበራዊ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ክልተ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ገሊፆም፡

፡ዶክተር ጂያን ባፕቲሳትን ፣ካሪኒ ካኔዛን ኣባላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎች ኮይኖም ነቲ ኣብ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ መፅናዕቲ ዘፅንዑ ላዕለዎት ሰብ ሞያ እዮም፡፡ዶክተር ጂያን ባፕቲስት ምስ ማዕከን ዜና ፍራንስ 24 ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግፍዒ ከምዝተፈፀሙ ኣፅኒዕና ኢና እንትብል፣ ዘርኢ ምፅራይ ፣ ገበን ኲናት ፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ፆታዊ ባርነትን ከምዝተፈፀሙ ኣብ መደምደምታ ከምዝበፅሑ ገሊፁ፡፡

ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ መፅናዕቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝኾነት ካሪኒ ካኔዛ ብወገና ምስ ማዕከን ዜና CBC NEWS ኣብ ዝነበራ ፃንሒት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ግፍዒ ተፈፂሙ እዩ እንትትብል ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዑጥቓት ምልሻ ኣምሓራን ካልኦት መላፍንቶምን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዘርኢ ምፅራይ ከምዝፈፀሙ ኣብ መፅናዕቲና ዕላዊ ኮይኑ ወፂኡ ኢዩ ኢላ፡፡እቲ ብክልቲኦም ዓለም ለኻዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ተፀኒዑ ዕላዊ ዝተገበረ ኣብ ዙርያ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ኣስካሕኻሒ ጀኖሳይድ ዘተኮረ ሓበራዊ መፅናዕቲ ዓለም ሐዚ ብዝግባእ እናተረደኦ እዩ ድማ ኢሎም እቶም ሰብ ሞያ፡፡

ከይዲ እቲ መፅናዕቲ ግልፂ ብዝኾነ ቴክኒክ ተኸቲልና ኣፅንዕና ፣ኩሉ ዓይነት መረዳእታ ተጠቒምና ኢና ዕላዊ ገይረናዮ ዝበሉ ድማ ዶክተር ጂያን ባፕቲስት እዮም፡፡ካረኒ ካኔዛ ኲናት ትግራይን ዩክሬንን ከመይ ትሪእዮ ተባሂላ ተሓቲታ ፣ ኲናት ትግራይ ዝኸፈአ ከምዝኾነን ዓለም ዘይፈልጦ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎን ገሊፃ ፡፡ ብሰንኪ ዕፅዋን ዕንወትን መሰረት ልምዓት ኣብቲ ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ንዓለም ክበፅሕ ኣይክእለን ኢላ፡፡ክልቲኦም ላዕለዎት ሰብ ሞያ እቲ መፅናዕቲ ናብቲ በሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ጥሜትን ዓፀቦን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕን ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱን መራሕቲ ኣፍሪካ፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ኢሉ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህፁፅን ዘላቕነትን ዘለዎ ምትሕብባር ክገብሩ ፀዊዖም፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous articleዝተዋደደ ልምዓት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ
Next article“ሕዚ ኣነ ንልደተይ ውህብቶ ባንቡላ ኣይደልን ኣነ ኣብ ዓደይ ትግራይ ብዓፀባ ዝሳቐ ዘሎ ህዝበይ በሊዑ ክፀግብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዘ ክገብረሉ እየ ዝደሊ” ሓንቲ ኣብ ኣሜሪካ እትነበር ትግረወይቲ ህፃን፡፡