Home ዜና ኣብ ርዋንዳ ዝለዓለ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ሰባት ምእሳር ምጅማሩ ፍትሒ ከምዝረጋገፅ መርኣያ ምዃኑ...

ኣብ ርዋንዳ ዝለዓለ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ሰባት ምእሳር ምጅማሩ ፍትሒ ከምዝረጋገፅ መርኣያ ምዃኑ ተገሊፁ።

522
0

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ተደለይቲ ዝኾነን ኣብ ተግባር ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮ፣ ካብ ርዋንዳ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ሃዲሙ ዝፀንሐ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለ ኣብታ ሃገር ንዝተፈፀመ ገበናት ኲናት ክከታተል ዝተጣየሸ ጉጅለ ምክትታል ሃደምቲ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ፉልጀንስ ካይሽማ ኣብ 1994 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖ ኣብ ርዋንዳ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ኣብ ዝተኻየደ ጆኖሳይድ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንያንገ ኣስታት ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ቱትሲ ክቕተሉ ብምግባር ከምዝተኸሰሰ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ጉጅለ ምክትታል ሃደምቲ ፈፀምቲ ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ኣብ ፀውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ምስ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪካ ምዝርራቡ ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕል ከምዝኸኣለ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “እቶም ከምዚ ዓይነት ገበን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ሰባት ዋላውን ድሕሪ ርብዒ ክፍለ ዘበን ካብ ፍትሒ ከምልጡ ከምዘይኽእሉን ኣብ መወዳእታ ምሕታቶም ዘይተርፍ ምኻኑን ዘርኢ እዩ “ኢሎም።

ጉተረዝ ነቲ ኣብ መንጎ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ጉጅለን ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተገበረ ምትሕብባር ብምንኣድ “ኩለን ሃገራት ኣብ ተግባር ጆኖሳይድ ሩዋንዳ ተሳቲፎም ብገበን ዝድለዩ ኣብ ምሕባር፣ ተኣሲሮም ናብቲ ቤት ፍርዲ ክርከቡ ምግባር ግዴታ ኣለወን” ኢሎም።ዋና ዓቃቢ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ሰርጅ ብራመርትዝ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ተግባር ጆኖሳይድ ተሳቲፎም ንነዊሕ እዋን ሃዲሞም ዝፀንሑ ሰባት ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ከምዘይተርፎም ዘርኢ ምኻኑ ገሊፆም።”ምጥፋእ ዓሌት እቲ ኣብ ወድሰብ ዝፍፀም ዝኸበደ ገበን እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ገበነኛታት ክኽሰሱን ክቕፅዑን ከምዝገብር እውን ቃል ኣትዩ እዩ።

እዚ ማእሰርቲ ድማ ክንዲ ድላዩ እዋን ይውሰድ ብዘየገድስ ፍትሒ ምርግጋፁ ከምዘይተርፍ መርኣያ እዩ” ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።ብራመርትዝ እቲ ማእሰርቲ ዝተዓወተ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ምስቲ ቤት ፍርዲ ዘጣየሾ ክትትል ዘካይድ ጉጅለ ብጥምረት ብምስርሖም ምኻኑ ኣረዲኡ።

እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ካብ ኣሜሪካ፣ ካናዳን እንግሊዝን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተረኸበ ድጋፍ ብምጥቃስ “ማእሰርቲ ከይሻማ ብድሆታት ብዘየገድስ ኣብ መንጎ ኣህጉራውን ሃገራውን ኣኽበርቲ ሕጊ በቐጥታ ብምትሕብባር ፍትሒ ክረጋገፅ ከምዝኽእል መርኣዪ እዩ” ኢሎም።ካይሽማ ኣብ 2001 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብቤት ፍርዲ ሩዋንዳ ተኸሲሱ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ክሲ ንሱን ካልኦት ተሓባበርቲ ገበነኛታትን ኣብ ኮሙን ኪቩሙ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ንያንገ ሚያዝያ 15/1994 ልዕሊ ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፣ ደቂ ተባዕትዮ፣ ኣረጋውያንን ህፃናትን ቀቲሎም ዝብል እዩ ከም መረዳእታ ጉጅለ ምክትታል ሃደምቲ ፈፀምቲ ጆነሳይድ ሩዋንዳ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ

Previous articleህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ዘመናዊ 30 ትራክተራት ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቡ።
Next articleኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ናይ ኩሉ ሃናፂ ሓሳብ ከምዘድሊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።