Home ዜና ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ...

ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ብምኽንያት ዝኽረ በዓል 7 ጥሪ ደብረፀሃይ ቅድስት ስላሴ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 1 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡

898
0

ብመሰረት ውዕሊ ሰለም ፕሪቶርያ ናብ መረበትና ክንምለስ ሰራዊት ኢሳያስን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወፁ ይግባእ ኢሎም እቶም ተመዛበልቲ

ኣይተ ገኺዳን ክፍለ ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ 3 ጊዜ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ዓብይ ኣዕቁቦም ዝርከቡ እንትኾኑ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ብምኽንያት ዝኽረ በዓል 7 ጥሪ ደብረፀሃይ ቅድስት ስላሴ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ልዕሊ 1 ሚልየን ብር ንተመዛበልቲ ወገናት ዝተገበረ ሓገዝ
ኣመስጊኖም፡፡

ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቁፀር ህዝቢ ኣዴታትን ህፃናትን ኣረጋውያንን ንበረቱን ሃፍቱን ራሕሪሑ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ተመዛቢሉ ዘሎን ብግዱሳት ተጋሩ ዲያስፖራ ዝግበረሉ ዘሎ ሓገዝ ዝነኣድ ምኻኑን ቀፃልነት ክህልዎን ይግባእ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ንጥሜትን ሕማም ተሳጢሑ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ክምለስን ሰራዊት኿ ኢሳያስን ሓይልታት ኣመሓራን ካብ መሬት ትግራይ ክወፁን መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነቱ ኸዋፃእ ድማ ፀዊዖም፡፡

ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ብምኽንያት ዝኽረ በዓል 7 ጥሪ ደብረፀሃይ ቅድስት ስላሴ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ልዕሊ 1 ሚልየን ብር ዝገበርዎ ሓገዝ ዘመስገና እመሆይ ፀጋ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነበር ትግራዋይ ኣብዛ እዋን ክደጋገፍ ኣለዎ ኢለን፡፡

ሃፍታይ ባህረ

Previous articleከም እኽሊ እየ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ
Next articleተበግሶ ሰላም ሰራዊት ትግራይ