Home ዜና ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ተቋሪፁ

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ተቋሪፁ

1634
0

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ዕፅዋን ክልከላን ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ከምዘቋረፀት ኣፍሊጣ፡፡

ብሰንኪ ምቁራፅ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ብፍላይ ኣዴታትን ህፃናትን ንሓደጋ ሞት ብምቅልዖም ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ፍታሕ ኸናዲ እታ ማሕበር ፃውዒት ኣቕሪባ፡፡

ብ257 ኣንቡላንስ ኣብ መላእ ትግራይ ስሉጥ ኣገልግሎት ትህብ ዝነበረት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ብዝተወለዐ ኲናት መብዛሕቲአን ኣምቡላንስ ዓንየንን ተሰሪቀንን እየን፡፡

ካብ ዕንወትን ስርቅን ዝተረፋ ካብ 80 ብዘይበዝሓ ኣምቡላንስ ዝተቆራረፀ ኣገልግሎት ይዋሃብ እኳ እነተነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብሰንኪ ሕፀረት ነዳዲ ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተቋረፀ ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ትግራይ ኣይተ ብረሃኑ መኮነን ሓቢሮም፡፡

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ቀይሕ መስቀል እቲ ዝለዓለ ድጋፍን ሓገዝን ዝዋሃበሉ ከም ዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ብርሃኑ ብሕማም ፣ ብወሊድ ኮነ ብሓደጋ ንዘጋጥም ፀገም ብህፁፅ ናብ ትካላት ጥዕና ብምብፃሕ ሰናይ ተግባር ምድሓን ህይወት ብምቁራፁ ሕክምናዊ ሓገዝ ተገይርሎም ክድሕኑ ዝኽእሉ ወገናት ንስእኖም ኣለና ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ፀገማቱ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ተበግሶን ውህሉል ተሞክሮን ዘለዎ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃኑ እዚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ድማ ህዝቢ ክፈትሖ ትፅቢት ከምዝግበርን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ ፈተውትን ተወለድትን ትግራይ ሰብሃፍትን ዓለም ለኸ ትካላት ዝዓነዋን ዝተዘረፋን ኣምቡላንስ ንምትካእ ምርብራብ ክግበር ፀዊዖም፡፡

ብመዝገበ ወ/ገብሪኤል

Previous articleዓፀቦ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ
Next articleቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)