Home ዜና ኣብ #እስራኤል ዝርከቡ #ዳያስፖራ ትግራይን ግዱሳት ኤርትራውያን ንልዕሊ 600 ዝተፀገሙ መራሕቲ ስድራ...

ኣብ #እስራኤል ዝርከቡ #ዳያስፖራ ትግራይን ግዱሳት ኤርትራውያን ንልዕሊ 600 ዝተፀገሙ መራሕቲ ስድራ ትግራይ ሓገዘ እኽሊ ኣበርኪቶም፡፡

1443
0

ብሰንኪ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ዝርከብ ህዝቢ #ትግራይ ንምድሓን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተወለድቲ ከተማ ዛላምበሳ፡ ወረዳ ጉለመኸዳን ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን ፋፅን ዝርከቡ ንልዕሊ 600 ዝተፀገሙ መራሕቲ ስድራ ሓገዝ እኽሊ ከምዝገበሩ ነቲ ሓገዝ ዘበርከቱ ተወከልቲ እቶም ዳያስፖራ መምህር ሙሩፅ ደስታ ገሊፆም፡፡
ህልውና ህዝቢ ትግራይ ዘገድሶም ኤርትራውያን ወገናት ምስ ተወለድቲ ትግራይ ዝገበርዎ ሓገዝ ዝናኣድ ከምዝኾነን ኣብ ፀገም ዝርከቡ #ኤርትራውያን ወገናት እውን ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ካልእ ተወከልቲ እቶም ዳያስፖራ ዠኾኑ ኣይተ ገብረትንሳኤ ሃይሉ ኣረዲኦም፡፡
ሐገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብግዲኦም ንዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ ከቢድ ሓደጋ #ጥምየት ዝርከብ ህዝቢ ንምድሓን ኩሉ በቢዓቕሙ ክደጋገፍ ይግባእ ኢሎም፡፡
ብውልቀ መላኺ #ኢሳያስ ኣፍወርቂ ስቃይን መከራን በፂሕዎም ኣብ ትግራይ ምንባር ዝመረፁ ስደተኛታት #ኤርትራውያን ብግዲኦም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዝበፀሐ ግፍዒ ተሰኪሙ ገፁ ከይዓፀፈ ካብ ዘለዎ መቂሉ ይድግፎም ከምዘሎ ገሊፆም፡፡
ኣተሓባበሪ ከተማ #ዘላምበሳ ኣይተ እያሱ ምስግናን ኣተሓባበሪ ወረዳ# ጉለመኸዳ ኣይተ በሪሁ ፀጋይን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተወለድቲ ከተማ ዘላንበሳ፡ ወረዳ ጉለመኸዳን ግዱሳት #ኤርትራውያንን ዝገበርዎ ደገፍ ፀገም ሕብረተሰብ ዘቃልል ብምዃኑን እዚ ሰናይ ተግባር ኩሉ ክስዕቦ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous article“ኣብቲ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ‘መሰል ርእሰ ውሳነና’ ናብ ድርድር ክቐርብ ፍፁም ኣይንፈቅድን!
Next article“ክብርታት ተጋሩ ስኣን ምጥቃም ትግራይ ኣብ ዘይዛሪ ኣዙት ትርከብ” መድረኽ ማ.ል.ት