Home ዜና ኣብ ኦሮሚያ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣባል ብልፅግና ኣቃሊዑ

ኣብ ኦሮሚያ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣባል ብልፅግና ኣቃሊዑ

1297
0

ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ቁሸታት ቶሌን ቄለምን ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማዊ ሰባት ዝተፈፀሙ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ጨፍጫፍ፣ ብስርዓት ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተፈፀመ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግና ኣቃሊዑ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ባዕዳውያን ዓዲሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጀኖሳይድ ብተደጋጋሚ ዝፈፀመን ዝቕፅል ዘሎን ጨፍጫፍ፣ ጃንዳ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣረሜናዊ ተግባር ሸኔ ዝተባህለ ዕጡቕ እዩ ፈፂምዎ ክብል ገሊፁ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ኣባል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ብልፅግናን ሃንጋሳ ኢብራሂም ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦ ወፂኡ ብድፍረት ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ግና ብ11 ሰነ 2014 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ ሲዒቡ ድማ ብሰኑይ 27 ሰነ 2014 ዓ/ም ኣብ ቄለም ወለጋ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማዊ ሰባት ዝተፈፀሙ መስካሕከሒ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ብሓይልታት መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ከምዝተፈፀሙ ኣቃሊዑ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleምሕዋይ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ
Next articleፈልሲ ምትካልና ኣካል መኸተና