Home ዜና ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝኸኣልናዮ ንሓግዝ

ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ዝኸኣልናዮ ንሓግዝ

ወ/ሮ ትዕግስቲ ገ/መድህን ዝተብሃለት ነባሪት ኣመሪካ ዝኾነት ግድስቲ ወገን ን1,450 ፅጉማት ወገናት #ከተማ መቐለ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብርኪታ። #ፋሽስታውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ኣንቢረምዎ ብዘለው ዕፅዋን ክባን፣ ብርክት ዝበለ ሕብረተሰብ ንዓፀባ ተቓሊዑ እዩ። ነዚ ብምግንዛብ ድማ ወናኒት መፍረይ ኣዮዳይዝ ጨው መሶብ መቐለ ዝኾነት ወ/ሮ ትዕግስቲ ገ/መድህን፣ ን1,4ዐዐ ዝተጸገሙ ወገናት ነበርቲ ከተማ መቐለ ንነብሲ ወከፍ ብር ሓደ ሽሕ ብር ሓገዝ ኣበርኪታ። ተሓገዝቲ ወገናት ብግደኦም ንዝተገበረሎም ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ወገናት ድማ ኣሰር እዛ ግድስቲ ወገን ብምስዓብ ብሰንኪ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድን ተጠናኺሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን #ትግራይ ኣብ ከቢድ ዓፀባ ዝርከብ ወገኖም ብዝኸኣልዎ ክሕግዙ ተላብዮም። ተወካሊ ወ/ሮ ትዕግስቲ ገ/መድህን ኮይኑ ነቲ ሓገዝ ዘረከበ መንእሰይ መኣርግ ገ/መድህንን ኣተሓባባሪ ትካል ምግባር ሰናይ ሙሉ መምህር ሙሉ ሃ/ስላሴን ድማ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ ድሕሪ ምግላፅ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ክወፅእ እንተዳኣ ኮይኑ ድማ ግደ ኩሉ #ሕብረተሰብ ዝጠልብ እዩ ኢሎም። ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ ብግደኦም #ዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ብዲፕሎማሲ ኮነ ገንዘባውን ንዋታውን ይገብርዎ ንዘለው ዝናአድ ተሳትፎ ድሕሪ ምምስጋን ኣጠናኺዎም ክቕፅልሉ ድማ ይላበዩ። ነባሪት #ኣሜሪካ ወ/ሮ ትዕግስቲ ገ/መድህን ዛጊድ ብሰንኺ ፋሽስታውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋን ክባን ንዝተጸገሙ ወገናት ዝውዕል ብር 6 ሚልየን ኣበርኪታ እያ ድማ ተባሂሉ። ብመርሃዊ ተስፋይ

1324
0
Previous articleብእኩይ ተግባር ፋሽስታውያን ሓሪኖም ቃልሶም ከምዘሐይሉ ነበርቲ ወረዳ ሕንጣሎ ተዛሪቦም
Next article“ብእከይ ተግባራት ፋሽስታውያን ከይተሰኮና ህዝባዊ ቃልስና ክነሕይል ይግባእ፡፡” ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ገ/መድህን ኪሮስ