Home ዜና ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት...

ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕላ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕ/ሰብ ክፈትሕ ትፅቢት ዝግበሮ ዘመናዊ ሪልስቴት ክህነፅ ሰነድ ተፈሪሙ።

602
0

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኣብ ከተማ መቐለ ሪሊስቴት ንምህናፅ ባንኪ ወጋገን ምስ ሱር ኮንስትራክሽ ስምምዕ ሰነድ ተፈራሪሞም።

እቲ ሪሊስቴት ህንፀቱ ኣብ 2016 ዓ/ም ከም ዝጅምርን ንልዕሊ 50 ሽሕ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎም ወገናት ከምዝፈትሕን ኣካያዲ ስራሕ ሱር ኮንስትራክሽ ኣይተ ዘንፉ ኣሰፋ ገሊፆም።

ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ትግራይ ዳግም ህንፀት ትግራይ ንምቅልጣፍ እዉን ትካሎም ከምዝሰርሕ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ወጋገን ኣይተ ኣክሊሉ ዉበት ገሊፆም።

ብእየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleቻይልድ ፈንድ #child fund ዝተባሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከባ 4 ኣበያተ ትምህርቲ ንዝማህሩ ተምሃሮ ልእሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋጋኡ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ለጊሱ።
Next articleዝቐፀለ ተግባራት ምፅራይ ዓሌት ተጋሩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ