Home Uncategorized “ኣብ ኩናት ሓይሊ ሚዛን ወሳኒ ትርጉም ኣለዎ”

“ኣብ ኩናት ሓይሊ ሚዛን ወሳኒ ትርጉም ኣለዎ”

“ኣብ ኩናት ሓይሊ ሚዛን ወሳኒ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ሓይሊ ሚዛን ድማ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ዕላማ እቲ ኵናት ይምስረት፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዝሓዞ ዕላማ ህዝባዊ ኵናት ከምቲ ጀነራል ፃድቃን ዝገለፆን ንበዓል ኣብዪ "ቃልስና ህዝባዊ ንግበሮ" ዝብልዎ ሱቕ ኢልካ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ዝቕዳሕ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ብድሆታት ዝሓለፈን ትርጉም ህዝባዊ ቃልሲ ዝፈልጥን እዩ፡፡ ዋላ ኣብቲ ዝነበረ ን17 ዓመታት ዝወሰደ ቃልሲ እንተወሲድካ “ስነ ኣእምሮ ክፀሮ ይኽእል አዩ” ኢልካ ዘይትግምቶ ፀይሩ እዩ ሰጊሩ፡፡ ኣጋጣሚ ድዩ ኮነ ተባሂሉ ኣይፈልጥን ኣብቲ ፈተናታቱ ተላፈንቲ ሓይልታት ኣለው፡፡ ንኣብነት 1977 ዓ/ም ድርቂ እንትመፅእ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ መንገዲ ዓፅዩ፡፡ ብኻልእ ገፅ ደርግ ቀትርን ለይትን ነፈርቲ ኣሰሊፉ “ናብ ካልእ ኢትዮጵያ ተበተኑ ወይ ከዓ ክትጠፍኡ ኢኹም” ኢሉ፡፡ ተጋሩ ኸዓ ህይወቶም ንኸድሕኑ ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ብሩባ ሩባ ብደጀናን ዳንሻን ገይሩ ንሱዳን ኣምሪሑ፡፡ ክወልዳ መዓልታት ዝቐረየን ነብሰፁር ኣዴታት ብድኻም፣ ፃምእን ጥምየትን ፍቖዶ በረኻ እንትሞታ፣ ቆልዑ ኣብ ማእገር ወለድን ተጋዳላይን ይሞቱ ነይሮም፡፡ ካብ መንገዲ 30 ሰብ እንተተላዒሉ እቲ ሱዳን ዝበፅሕ ካብ 15 ኣይበልፅን፡፡ እዚ ክትሽከምስ ይትረፍ ክትሰምዖ ዝኸብድ መከራ ሓሊፉ፡፡ ኣብ ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዘይነደደት ቁሸት የላን፡፡ ነፋሪት ዝደርበየቶ ቁምብላ ሓቒፎም ዝነደዱ ህፃናት ኣለው፡፡ 2500 ወገናት ብሓንቲ ፀሓይ ዝሰኣንናሉ ደብዳብ ሓውዜን ተሸኪሙ ዝመፀ ማሕበረሰብ እዩ፣ ትግራዋይ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ነዞም ከምዚኦም ዝብሉ ብድሆታት እናጠሓስካ ምምፃእ ለሚድዎ እዩ፡፡ ኣብ 6ይ ወራር ኣብ ኣልዓሳ ዝተኻየደ ኩናት ተዋጋእቲ ሆሊኮፕተራት ንመጀመርታ ግዜ ሪእናየን፡፡ ኣብ ሰማይ ኮይነን ብሬን ብርእስኻ ዝትኩሳ እየን፡፡ ሽዑ ዝነበረ ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ኩናት ብስነ ኣእምሮ ከቢድ ነይሩ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ ፈተናታት ሰጊርና መፂእና ኢና፡፡ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኩሉ ወራራትን ፈተናታትን ጥሒሱ ግን መጨረሻ ዓወት ናቱ እዩ ዝገብር፡፡ ሐዚ ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ዝመስለኒ “ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሐዚ ከምቲ 1983 ዓ/ም ዝተልዓሎ እንተተላዒሉ፤ ከምቲ ናይ 1983 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ በፂሕኻ ንምምላስ ኣይፍትንን፡፡ ክሳብ መወዳእታ ክኸይድ እዩ፡፡ ስለዚ ስኣንናዮ ሎሚ ረኸብናዮ ሎሚ” ኢሉ ዝተልዓለ ሓይሊ ትምክሕቲ ኣሎ፡፡ “ትምክሕቲ ካብ ብሐዚ ቦታ ኣይህልወንን” ዝብል መደምደምታ እውን ወሲዱ እዩ፡፡ ስለዚ "30 ሚልዮን ኣለና፤ ካብዚ እቲ 5 ሚልዮን ነቲ 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ እንተጥፊኡ እቲ 25 ሚልዮን ብነፃ ይነብር" ዝብል ድሌት ኣሎ፡፡ ድሌት ሓደጋ ዝኸውን ግን ዓቕሚ እንተሃልይዎ እዩ፡፡ እምበር ድሌት ሃልዩካ ኣፍካ ከፊትካ እንተወዓልካ ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን፡፡ ስለዚ ዘሎን ዘየለን ዓቕሞም ፀንቒቖም ዝወፍሩ ዘለው እቲ ድሌቶም ሰማይ ስለዝወፀ እዩ፡፡ ምስቲ ድሌቶም ዝኸይድ ዓቕሚ ግን የብሎምን፡፡ ስለዚ እቲ ዘለካ ዓቕሚ ፅንቅቕ ኣቢልካ ክሳብ መወዳእታ ምኻድ እቲ ድሌት ዝጎቶ ነገር እዩ፡፡ ድሌቶም ከዓ ህዝቢ ትግራይ ምጥፋእ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከዓ ከምዘይጠፍእ ነርኢ ኣለና፡፡ እታ ዘላ ክርክር እታ ደሌት ክትረዊ ኣይከኣለትን፡፡ እቲ ምትእኽኻብ ህዝቢ ረጊፁ ክነብር ዝደሊ ሓይሊ ፎርማጆ በሎ፣ ኣብዩ በሎ፣ ኢሳያስ በሎ፣ ኩሎም ንህዝቢ ረጊፆም ኣብ ስልጣን ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት እዮም፡፡ ኣብ ስልጣን ንኽትነብር ከዓ ኩሉ ዘለካ ክተረክብ ኣለካ፡፡ ስለዚ እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ዘለዎም ሸውሃት ንምርዋይ ዝኽእልሉ ብሕታዊ መንገዲ እቲ ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ዝሃልቕ ምጭፍጫፍ እዩ፡፡ ሐዚ ኣብዩ ሰላም ፀሊኡ ኣይመስለንን፡፡ ሰላም ክመርፅ እንተኾይኑ ሓይሊ ትምክሕቲ እሺ ክብሎ ኣለዎ፡፡ ትምክሕተኛታት ኣምሓራ “ሰላም ኣሸንኳን ክንኣትዎ ክንሰምዖ እውን ኣይንደልዮን” ይብሉ ኣለው፡፡ ዝተዛረብዎ ዘረባ ማዕፆ ኮይኑ ንድሕሪት ኣይምለሱን፡፡ ጨሊጥካ ምዝራብ ኒሕ ዝመስሎም ብዙሓት ትምክሕተኛታት ኣለው፡፡ እዚ ግን ናይ ኣእምሮ ፅልሙትነት ዝወለዶ እዩ፡፡ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ መማረፂ ኣለዎ፡፡ ክመፅእ ዝኽእለ ለውጢ ይሓስብ እዩ፡፡ እዚኦም ግን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ የብሎምን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ተዛሪብካ ዝጠፍእ እዩ ዝመስሎም፡፡ ስለዚ ከምዚ ዓይነት ዝተፀንቀቐ ፅንፈኛ ዘረባ ንድሕሪት ተመሊሶም ምኽንያታዊ ንክኾኑ ዘየግብር ድንቁርና እዩ፡፡ ክሳብ ሓዚ ኣብ ሚድያታቶም ዝብልዎ ዘለው ኣዋጅ "ጀኖሳይድ" ብዙሕ ተተዛሪቦምሉ ብዙሕ ኣጥፊኦም ዝሓድሩ እዩም ዝመስሎም፡፡ ሕማቕ ተዛሪቦም "ካብ ሕልና ክነውፅኦም ኣለና፣ ሰብ ከምዘይዝክሮም ክንገብር ኣለና" ክብል ከሎ ንሕና ከምኡ ንኸውን ዘለና እዩ ዝመስሎ፡፡ ኣብ ጠረጵዛ ከፍ ኢሎም ዝብልዎ ዘለው ኣይመስሎምን፡፡ ስለዚ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ገልጠምጠም ኩናት ምስዓር ኣይከኣልን፡፡ ህዝባዊ ምግባር እውን ኣይከኣልን፡፡” ይብል ተጋዳላይ ሓለፎም ኣለሙ (ቸንቶ) ፍልፍል ወይን

1395
0
Next article“ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ተቓረንቲ ሓይልታት ናብ ሓደ ክመፁ ኣለዎም፡፡ ”