Home ዜና ኣብ ኲናት ዝነብር ጉጅለ ፋሽስት

ኣብ ኲናት ዝነብር ጉጅለ ፋሽስት

1257
0

15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ንዝተበፅሐ ስምምዕነት ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል፤ 9 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብደብዳብ ኸበድቲ ኣፅዋርን ታንክታትን ዝጠሓሰ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ብወሃብቲ ቃሉን ሚዲያታቱን ክኽሕድን ደላይ ሰላም መሲሉ ክረአን ይፍትን ኣሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንዘተ ተዳልየ ኣለኹ ብምባል ከደናግር እኳ እንተፈተነ፤ ኩሎም መንግስታዊ ግልጋሎት ብምዕፃው ሰብኣዊ ሓገዝ ከይባፃሕ ከልኪሉ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ገበቲ ሓይልታት ክኣቱ ምግባሩ ከም ንቡር ወሲድዎ ምህላዉ የማላኽት፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ንምእማኑ ዘፀግም ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ኮይኑ፤ ሕዚ እውን ክፋላት ህዝቢ ዞባ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ብኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጀኖሳይድ እናተፈፀሞም ኣብ ዘለሉ እዋን ብዘይ ቅድመ ኩነት ንዘተ ቅሩብ እየ ክብል ምግላፁ መርኣያ ፍሽለቱ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብኢዱን እግሩን ኣሲርካ ብዘይቅድመ ኩነት ንዛተ ምባል፤ ኮፍ በል ክቕድመካ ዝዓይነቱ ሕጫጨ መግለፂ ወሃቢ ቃል ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ለገሰ ቱሉ፤ ንመንግስቲ ትግራይ ምስ ኣልሸባብ ኣወዳዲሩ ብግብረ ራዕዲ ክሰእል ሞኪሩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ናብ በዓል ዋና ከይተመለሰ፣ ብዘይዓንቀፍቀፍ ምሕላፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተጀመረን ኩሎም ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ናብ ዝነበርዎ ከይተመለሱን ገፅ ንገፅ ዝግበር ዘተ ሰላም ከም ዘይህሉ ቅድመ ኩነት ኣንቢሩ ንዘተ ሰላም ቅሩብ ምዃኑ ደጋጊሙ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ፡፡ 

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleምጥሓስ ግዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል
Next articleፀሎተ ፍትሓት ሰማእታት ትግራይ ኣብ ከተማ ውቅሮ