Home ዜና ኣብ ወረዳ ሳምረ 25 ሰባት ብጥሜት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ምምሕዳር እታ ወረዳ...

ኣብ ወረዳ ሳምረ 25 ሰባት ብጥሜት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

656
0

ኣብ ወረዳ ሳምረ ጣብያ ዓዲ ወያነ ደብረሓይላ ነባሪት ዝኾና ወ/ሮ ፈፀጉ ኣበራ ጓለን ፅላል ሻሽ እትበልዖ ስኢና ከም ዝሞተትን ኣቦኦም ቅድሚ ዓመታት ዝሰኣኑ ደቃ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ምስኣኖም ሐዚ እዉን ዝበልዕዎ ስለዘይብሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ኣለዉ ይብላ።

ኣብታ ጣብያ ብሰንኪ ሕማም ክልተ ኣእጋሩ ስኢኑ ሰባት ንግዚኡ ንበረሉ ኢሎም ኣብ ዝሃብዎ ገዛ ኣዕቑቢ ዝረኸብናዮ ተስፋይ ኣሰፋ ድማ ክሳብ ሐዚ በዓልቲ ገዝኡ ንሰባት ሓገዝ እናሓተት ህይወት ደቁን ህይወቱን ከምዘፅንሐት ብምግላፅ ሐዚ ግና ኩሉ ሰብ ተፀጊሙ ስለዘሎ ኣብ ሓፂር ግዜ ረዲኤት እንተዘይተዋሂቡ ዝፅበዮ ሞት ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ጣብያ ዓዲ ወያነ ደብረ ሓይላ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ሓደጋ ጥሜት ኣንፀላልይዎ ከም ዘሎ እዉን ነበርቲ ዝገለፁልና እንትኾኑ በቢገዝኡ ብጥሜት ዝሳቐ ህዝቢ ብዙሕ እኳ እንትኾነ ናብ ሕክምና ንምኻድ ዓቕሚ ስለዘንብሎም ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ሎሚ ዶ ፅባሕ ሓገዝ ንረክብ ክብሉ ኣብ ከቢድ ፀበባ ኣትዮም ከም ዘለዉ ኢዩ ዝዛረቡ።

ከም ዕድል ኮይኑ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቡ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ሳምረ ዝረኸብናዮ ኣይተ ገብረኪሮስ ኣረፈ ንሱ እዉን ከምዚ ክበል ዘለዎ ፀገም ይገልፅ” ሐዚ ኣብዚ ይሕከም ኣለኹ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ኪድ እንተተባሂለ ናብኡ ዘብፅሕ ገንዘብ የብለይን ፣ናብ ገዛይ ተተመሊሰ እዉን ዝበልዖ ምግቢ የለን” ብምባል ብሰንኪ ኲናት ዝተሃሰየ ናብርኦም ይገልፅዎ። ምክትል ኣማሓዳሪ ጣብያ ዓዲ ወያነ ደብረ ሓይላ መምህር ሃፍቱ ኣርኣያ ኣብታ ጣብያ ሓደጋ ጥሜት ምህላዉ በቢእዋኑ ናብ ዝምልከቶ ኣካል እናፍለጡ ከም ዝፀንሑን ዛጊድ እኹል ሓገዝ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ 22 ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ሞይተሙና ኢዮም ይብሉ።

ኣብ ህዝቢ ዘሎ ብርኪ ሓደጋ ጥሜትን ፀገማት ጥዕናን ክገልፀልና ዝተወከስናዮ ሜዳካል ዳይሬክተር መባእታዊ ሆስፒታል ሳምረ ዶ/ር ገብረመስቀል ኪሮስ ዛጊድ 140 ሰባት ብሕፅረት ምግቢ ተጠቒዖም ኣብቲ ሆስፒታል ከም ዝተሓከሙን ካብዚኣቶም ዝሞቱ እዉን ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብታ ወረዳ ብጥሜት ተጠቒዖም ናብቲ መባእታዊ ሆስፒታል ዝመፁ ዘለዉ ቁፅሪ ተሓከምቲ እዉን ካብ እዋን ናብ እዋን ይዛይድ ምህላዉ ዶ/ር ገብረመስቀል ገሊፆም። ኣማሓዳሪ ወረዳ ሳምረ ኣይተ ብርሃኑ መሓሪ ብወገኖም ኣብ ከተማ ሳምረ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት እታ ወረዳ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዘሎ ብምግላፅ ዛጊድ ድማ ኣብ ክልተ ጣብያታት እታ ወረዳ 25 ሰባት ብጥሜት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ተዛሪቦም።

ካብ 98 ሽሕን 494 ጠቕላላ ህዝቢ ወረዳ ሳምረ እቲ ልዕሊ 93 ሽሕ ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ዝጠልብ ከም ዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቅድመ መጠንቀቕታን ህፁፅ ግብረ መልስን ወረዳ ሳምረ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት። ብኪሮስ መሓሪ

Previous articleበዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ንምሕጋዝ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሎሚ ኣረኪቡ።
Next articleዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን