Home ዜና “ንስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክበሃል ናብ ዘይኣመናሉን ዘይምልከተናን ኲናት ተገፊፍና ኣቲና።”ኣብ...

“ንስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክበሃል ናብ ዘይኣመናሉን ዘይምልከተናን ኲናት ተገፊፍና ኣቲና።”ኣብ ግንባር ኣድያቦ ዝተማረኹ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

4561
0

ኣብ ዘይኣመናሉን ዘይምልከተናን ኲናት ተገፊፍና ብምእታው ምእንተ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክንብል ወለድና ምስ ዝሰዓርዎም ፀላእትና ግንባር ፈጢርና ንህዝቢ ትግራይ እንትንወግእ ብምምራኽና ርእስና ክነድንን ክንሓፍርን ገይሩና እዩ ኢሎም ኣብ ግንባር ኣድያቦ ዝተማረኹ ምሩኻት ሰራዊት ኤርትራ፡፡

ብዋጋ ንእስነት መናእሰይ ኤርትራ መልካዊ ስርዓቱ ከቕፅልን ህዝቢ ትግራይ ከፅንትን ድቃስ ዝሰኣነ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሰሙን ብኹሎም ግንባራት ብዝፃሕተሮ ኩናት እንዳተለብለበ ኣገዲዱ ገፊፉ ዘምፀኦም መላምል መናእሰይ ኤርትራ  ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ኣትዮም ክረግፉን ዕድል ረኺቦም ዝተማረኹን ኢዶም ዝሃቡን ድማ ንተግባራት እዚ ውልቀ መላኺ ከቃልዑን ህይዎቶም ከድሕኑን ኪኢሎም ኣሎዉ፡፡

ኣብ ግንባር ኣድያቦ ዝተማረኹን ኣብ ቀረባ እዋን ተገፊፎም ንትግራይ ንምውራር ብኣድያቦ ምስ ዝመፀ ወራሪ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሰሊፎም ዝተማረኹ ተወላዲ ኣስመራ መስፉን ምልኣት፣ተወላዲ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ሓይሊ ቢንያም ኣስመሮም ሃይለማርያምን ካብ ጋሽ ባርካ ከተማ ተሰነይ ዝተገፈፈ ሙሴ ተወልደ ኪዳነን እቲ ስርዓት ብሓይሊ ገፊፉ ከም ዘሰለፎምን ካብቲ ከም ቆፅሊ ዝረግፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ንስለ ተሪፎም ከም ዝተማረኹ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ንደርጊ ስዒሩ ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ተጋሂዱ ክነሱ ህዝቢ ኤርትራ ነፃነቱ ተመንጢሉ ንዳግማይ ባርነት ተቓሊዑስ እነሆ ንሕና እውን ወለድና ምስ ዝሰዓሩዎም ፀላእትና ግንባር ፈጢርና ብታሪኽ ወለድና ዘውረሱና ምሕዝነት ክልቲኡ ህዝብታት ክፈርስ ብስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተገዲድና ወለድና ምስ ዝሰዓሩዎም ፀላእትና ተማሪኽና ርእስና ክነድንን፣ዘሕፍርን ዘሕዝንን እዩ ይብሉ፡፡

ሐዚ ንኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ትምህርትን ህንፀት ዓድን ክፈስስ ዝግበኦ ዕድመ ፣ ጉልበትን ፍልጠትን መንእሰይ ኤርትራ ብኸንቱ ክመክን እንዳገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ሙሩኻት ህዝቢ ኤርትራ ክነቅሕን ነቲ ስርዓት ጠንጢኑ ይኣክል ክብሎን ፀዊዖም፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሰሙን ዘካይዶ ዘሎ ግፋ ኣጠናኺሩ ዝቐፀለ እንትኸውን በዚ ቀፃሊ ግፋ ናብ ዘይፈልጥዎን ዘይምልከቶም ደማዊ ኩናት ዝመፁ ዘሎዉ መናእሰይ ኤርትራ ዕጨኦምን መፃኢኦምን ኣብ ኢዶም ሙኻና ተረዲኦም ኢዶም ንሰራዊት ትግራይ ክህቡ እቶም ሙሩኻት ፀዊዖም፡፡

             ብኣፈወርቂ ገ/ህይዎት

Previous articleመልእኽቲ ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)
Next article“ፍትሓዊ ዕላማ ክሳብ ዝሓዝና ዋሕስ ህልውና ትግራይን ህዝባን ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና መስተንክራዊ ጅግንነቱ ኣጠናኺሩ ክሳብ ዝቐፀለን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዝግሃደሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን።”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ