Home ዜና ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ  ልዕሊ 470 ሰባት...

ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ  ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም

806
0

—-

ሓይልታት ፅንተት ኣብ መሬት ትግራይ ዝቐበርዎም ተፈንጀርቲ ኣፅዋራት ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ሓደጋ ሞትን መቑሰልትን የውርዱ ምህላዎም ተሓቢሩ፡፡

ዛጊድ ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ ድማ ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም ኣለው፡፡

ማእለያ ዘይብለን ሃገራት ኢደን ዘእተዋሉን ገንዘባውን ኣፅዋራውን ደገፍ ዝገበራሉን ተደጋጋሚ ኲናት ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ዓለምና ካብቶም ብቐዛፍነቶም ኣብ ቕድሚት ዝስርዑ ደማዊ ኲናት ኣውራ ምንባሩ ዳርጋ መላእ ዓለም ብሓደ ድምፂ መስኪራትሉ ዝሓደረት ጉዳይ እዩ፡፡

ነዚ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ንፁሃን ቐዚፉ ብሚልዮናት ንዝቑፀሩ መሳኪን ወገናት ካብ ገዛእ መረበቶም ዘፈናቐለን ብብልዮናት ዝግመት ሃፍተ ንዋይ ሃገር ንዝበልዐን ኲናት ደው ንምባል ድማ ምዕራባውያን ብሓፈሻ ኣሜርካ ድማ ብፍላይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባራ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፡፡

ከምናይዚ ውፅኢት ድማ ኣብ መንጎ ዝተላፈኑ ሓይልታትን ህዝቢ ትግራይን ዝግበሩ ዝነበሩ ደማዊ ኲናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ 23 ጥቅምቲ 2015 ብዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ደው ኢሎም ይርከቡ፡፡ እንተኾነ ካብ ድምፂ ጠያይት መዳፍዕን ቁምብላታት ነፈርትን ድሮንን ዘዕረፈት ትግራይ ግና ሕዚ እውን ብሰንኪ ኣብ መሬት ዝተቐበሩ ተፈንጀርቲ ኣፅዋራት ደቃ ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ይኾኑ ኣለው፡፡

ዛጊድ ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ ድማ ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም ከምዘለው ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ሰነድ የረድእ፡፡ ክሳብ ሕዚ እቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር ተተኮስቲ ኣብ ወረዳታት ክልተኣውላዕሎ ፡ ሓውዜን ፡ ዓዴት ፡ ቀይሕ ተኽሊ ፡ ቆላ ተንቤን ፡ ኣበርገለ የጭላ ፡ ሰሓርቲ ፡ እምባሰነይቲ ፡ እንዳባ ፃሐማ ፡ ኣኽሱም ፡ ሽረን ዛናን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሓደጋ ዘብፀሐ ከምዝኮነ ዘነፀረ እቲ ሰነድ 49 ህፃናት ዝርከብዎም 106 ወገናት ብዘሰቅቕ መንገዲ ህይወቶም ክስእኑ እንከለው 258 ህፃናት ዝርከብዎም 372 ንፁሃን ድማ ግዳይ ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ኮይኖም ኣለው ኢሉ፡፡64 ሚኢታዊ ናይዚ ሓደጋ ተጠቐዕቲ ዝኾኑ ህፃናት ድማ ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባውን ስነኣእምራኣውን ፀገማት ተሳጢሖም ከምዘለው ብምግንዛብ፡፡

ንፖለቲካዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓፈሻ ንጉዳይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ዝከታተል ኣብ መዳይ ሰላምን ግርጭትን መፅናዕቲ ዘካይድ ፕሮፌሰር ሸትል ትራንቮል ብወገኑ ኣብ  ቲዊተሩ ኣድራሽኡ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኲናት ዝተበተኑ ተፈንጀርቲ ኣፅዋራት ብኣብዛሓ ህፃናት ዝርከብዎም ንፁሃን ሰባት ይቐዝፉ ኣለው ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሕብረተሰብ ምንዋፅ ስነኣእምሮ ኣስዕቡ  ብምህላው ህፁፅ ሰፊሕ ወፍሪ ምፅራግ ተተኳስቲ ክግበር ይግባእ ክብል ሓሳቡ ኣስፊሩ፡፡

#ብፀጋይ መኮነን

Previous articleህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ
Next articleእዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ