Home ዜና ኣእሙራዊ ንብረት መሃዝቲ

ኣእሙራዊ ንብረት መሃዝቲ

1181
0

ኣእሙራዊ ንብረቶም ንምሕዳስን ፍቓድ ንምውፃእን ዝደልዩ መሃዝቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝተናወሐ ቢሮ ምህዞን ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝወልዕዎ ኵናት ብርክት ዝበሉ ወገናት ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ዘየሐደሱን ፍቓድ ዘይተውሃቦምን መሃዝቲ ከም ዘለው ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብርክት ዝበሉ ወገናት በብዝነጥፍሉ ዘፈር ሞያ ኣብ ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን እንትዓሙ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ምህዞን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዶ/ር ከላሊ ኣድሃና ኮይኑ ግና በብዓውደ ሞየኦም ኣብ ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ዝነጥፉ ኣካላት ምስ ምርግጋፅ ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ዘለዎም ግንዛበ ትሑት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ንዓውደ ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ዝወሃቦ ጠመተ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዋላ እኳ ዝግለፅ እንተኾነ እቲ ዓውዲ ብባህሪኡ ሰፊሕ ፃዕርን ግዘን ዝጠልብ ብምዃኑ ብዙሓት መሃዝቲ ቀልጢፉ ምስ ህዝቢ ንክላለየሎም ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ከየመዝገቡ ዕላዊ ከም ዝገብርዎ ደ/ር ከላሊ ኣድሃና ኣገንዚቦም።

ፈጠርቲ ኣካላት በብዓውደ ሞያኦም ዝምህዝዎም ብሰንኪ ጉድለት ግንዛበ ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ስለ ዘይረጋግፅሎም ፣ ምስ ምቕዳሕ ማለት እውን Copy Right ብዘፈር ሞያ ኪነ ጥበብ ጎሊሆም ከም ዝራኣዩ ድማ ደ/ር ከላሊ ኣብሪሆም።

ዝኾነ ይኹን ፈጠራ ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ዝወሃብ ብደረጃ ሃገር ብምዃኑ፣ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘካየድዎ ኵናት ፣ ብርክት ዝበሉ ወገናት ዘየሐደሱን ፍቓድ ደልዮም ዘይተውሃቡን ስለ ዘለው ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝተናወሐ ድማ ደ/ር ከላሊ ኣብሪሆም።

እዚ ዘለናሉ እዋን ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ንኹሎም ፀገማት መፍትሒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብ ዕለታዊ ሂወት ወዲ ሰብ ፣ ማሕበራውን ቑጠባውን ዋኒናት ዝለዓለ ለውጢ ንምምፃእ ሓገዝ ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን ድማ ዝጠልብ እዩ። 

#ብመርሃዊ ተስፋይ
Previous articleኣብ ትግራይ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ቃልኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡
Next articleህፁፅ ፍታሕ ዝጠልብ ስቓይ ተመዛበልቲ ትግራይ