Home ዜና እምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

እምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

1231
0

—-

ሰነዳት ታሪኽ እንትንግልብጥ ብፀሓፍቲ ታሪኽ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ታሪኽን ግዝኣትን ትግራይ ሰኒዶምዎ ንረክብ፡፡ Frederick Simone ዝተብሃለ ፀሓፊ ታሪኽ Northwest Ethiopia Peoples and Economy ኣብ ዝብል መፅሓፍ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብሓፈሻ ከባቢ ወልቃይት ድማ ብፍላይ መረበት ትግራዎት ምዃኑ እዩ ዘረጋግፅ፡፡

     ብተመሳሳሊ Daniel Elven the Great Ethiopia Revolution of a Multiple Ethnic Society ኢሉ ኣብ ዝሰየሞ መፅሓፍ ታሪኽ ትማልን ሎምን ብምጥቃስ ትግራዋይነት እቲ ከባቢ ካብ ዝሰነዱ ሙሁራት ሓደ እዩ፡፡ ትግራይ ብኣሰፋፍራ ብቋንቋን ባህልን መንነትን ዝተኣሳሰረ ካብ ሓደ ሓረግ ዝምዘዝ ህዝቢ ሰፊርሉ ከቢራ እንትነብር ክነሳ ታሪኽ ውርስታታን ንምህሳስን ሓይሊን ዓቕምታታን ንምጥፋእን መሬታን ፍርያታን ብዝብህጉ ሚኒልክን ሰዓብቱን ክትብታተን ወፊሮሙላ እዮም፡፡

ሃፀይ ሚኒሊክ ንጉስ ነገሰት ኢትዮጵያ ቅድሚ ምዃኖም ትግራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብሰሜን ቦታታት ኤርትራ  ፣ብደቡብ ክሳብ ኣልውሃ ምላሽ፣ ብጎንደር ለማሊሞ ክሳብ እምባ ጊወርግስ ዝዘለቐ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

   ይኹን እምበር ድሕሪ ምንጋስ ሚኒሊኽ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ መልክኣ ምድራዊ፣ ጀኦፖለቲካውን ፀጥታውን ትሕዝቶ ትግራይ ንምድኻም ብዝብል ህቃነ እቶም መንበረ ትግራዎት ዝነብሩ ከባቢታት ሚኒሊክ ንንግስንኡ ተኣመንቲ ንዝኾኑ ኣዝማድ ሰበይቲ ምሃቡ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ ንመሬት ትግራይ ዘለዎም ባህጊ ካብ ኣያታቶም ዝብገስ ምዃኑ እዩ ሙሁራት ታሪክ ዘረጋግፁ፡፡

ሓሪስካዮ ዘይውዳእ ልሙዕ ተሓራሲ መሬት ፍሉይ ተፈጥራዊ ፀጋ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እዩ፡፡ ሓጋይ ምስ ክረምቲ ዓመት ሙሉእ መሬት እናተርከሱ ዝውሕዙ ዓበይቲ ሩባታት ንምርባሕን ምድቓልን ከፍትን ጠለበጊዕን ዝምቹ ፀባይ ኣየርን መንፈስካ ዘሀድስን ልምዓት  እውን መለለይ እዩ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡፡ ካብቶም ብዙሓት ፀጋታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ሓደ ዝኾነ ምህርቲ ሰሊጥ በቢዓመቱ ብማእኸላይ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ሰሊጥ ይሕፈሰሉ ። ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2005/2006 ዓ/ም ካብቲ ዞባ ዝተረኸበ መረዳእታ ካብ ዘረጋግዖ ልዕሊ 137 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ትግራይ ልዑል ብፅሒት ሸርፊ ወፃኢ ሒዙ እዩ ። ካብዚ ብተወሳኺ  ብደረጃ ዓለም ተደለይነቶም ዝለዓለ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፍርያት ዝህብ እዩ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡፡

ነዚ እዩ እምበርኣከስ ሃፍታም መሬት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዓይኒ ደቒቐ ሚኒልክ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዝዓረፎ፡፡

   እዚ ከባቢ ብመዳይ ኢኮኖሚ ልሙዕን ሃፍታምን እዩ ከም ሕልሞም ገቢቶም እንተወኒነምዎ ንሳቶም ክህፍትሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትግራይ ብኢኮኖሚ ንምድካይ እውን ስለዝሕግዞም እዩ፡፡ነዚ ባህጎም ጋህዲ ንምግባር ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፀለመ ብምክያድን ሓሶትን ብምንዛሕን ትግራይን ትግራዋይነትን ክጠፍእ ሰሪሖም፡፡

ድሕሪ እቲ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንምብራስን ኣሰር ትግራዋይ ከይረክብ ብተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዓለም ኣብ ታሪኽ ካብ ዘጋጠምዎ ፅልኣት ህዝቢ ዝመንቀሊኦም ግፍዒ ሓደ ገይራ ብሚድያታትን ተጠባቐቲ ሰብኣዊ መሰልን ኣቃሊዓቶ እያ፡፡

ጥንታዊ ርስቲ ትግራዎት መሬት ወልቃይት ሃርጓፋት ክጎብጥዎ ንዘበናት ሰርሖምን ይሰርሑን ዋላ እኳ እንተነበሩ ካብቲ ዝወራረስ ወለዶ ክሳብ ገፀ መሬት ካብ ሩባ ክሳብ ጎቦ ኮታስ ኩለመዳዩ ንምሰከርነት ዝተፈጠረን ዘንጊ መንነት ትግራይ ብብሕታውነት ይዛርብሉ፣ ይፅውሉ ይነብርሉን እውን።

ብምዃኑ እውን ነዚ ብታሪኽ ብሕግን መንግስታዊ ስርዓትን መሬት ትግራይ ዝኾነ ግዝኣት ወሪሩ ዘሎ ዝረኣዮ ኩሉ ዝምነ ተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራ ጠንቒ ሰላምን ዘይምርግጋዕን እዛ ሃገር ብምዃኑ እቲ ሓይሊ ኣደብ ክሕዝ ከም ዝግባእ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ ብተደጋጋሚ ዝነፀሮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ድርድር ዘይቐርብ ቅዋም እዩ፡፡

ፋሽሽት ኣብይ፣ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘለው ትሉም ጀኖሳይድ ዝብቀዐሉ ሩሑቅ ዘይምዃኑ ዝኣመኑ ህዝብን መንግስትን ትግራይ  ነዚ ጋህዲ ንምግባር ድማ ብዝሰመረ ሓበራዊ ቅልፅም ኣብ ምቅላስ ይርከቡ፡፡

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleምምላስ ቅርስታት ኦርተዶክስ ተዋህዶ ትግራይ
Next articleፅሩይ መስተ ማይ ቦራ ቸሊና