Home ዜና እምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

እምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

860
0

—-

ህዝቢ #ትግራይ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ዞባ #ምዕራብ ትግራይ ብገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን  ብኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ፋሽስታውያንን ኮነ ተባሂሉ ትሉም ብዝኮነ መንገዲ ፅንተት ተኣዊጅዎ ኩሉ ዓይነት ጀኖሳይድ ተፈፂምዎ እዩⵆ

እንተኮነ ግን ብመንነቱን ዓዱን ዘይዋገ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ኣብ ጓጓ ፀላእቲ ኮይኑ ቃልሱ ኣጠናኪሩ ይቅፅል ከምዘሎ ካብቲ ጨፍጫፍ ዘምለጡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ደደቢት ዝነብሩ ተፈናቀልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም።

“ ህዝቢ ዞባ #ምዕራብ ትግራይ መሬትና ተሓዲጉ ንምንታይ ንገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ይወሃብ፣ ብቛንቛና ምዝራብ ንምንታይ ንኽልከል ዝብል ሰፊሕ ተቃውሞ የካይድ ኣሎ፡፡ እዚ ተቃውሞ እንተካይድ ይእሰርን ይጭፍጨፍን ኣሎ፤ ኮይኑ ግና በዚ ንድሕሪት ዝብል ተወላዲ ትግራይ የለን ቃልሱ ኣጠናኪሩ ክቅፅል እዩ፡፡ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ ወረርቲ ሓይልታት ብሰላም እንተወፂኦም ይውፅኡ እንተዘይወፂኦም ግና መሬትናን መንነትናን ብቃልስና ክነረጋግፅ ኢና ቃልስና እውን ኣብ ውሽጢ ይኩን ኣብ ደገ ቀፃሊ እዩ” ክብሉ እቶም ተመዛበልቲ ገሊፆም፡፡

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ ብግድኦም እቲ ኣብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ጀኖሳይድ ኣብ ዝተረፉ ነበርቲ ምዕራብ ይቅፅል ከምዘሎ ብምግላፅ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ግና በዞም ተስፋሕፋሕትን ገበትን ከይተምበርከከ ንቋንቁኡን መንነቱን ይቃለስ ከምዘሎ ሓቢሮምⵆ

እቲ ቃልሲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝግለፅ እዩ፤ ኣኬባ ተፀዊዑ ብዘይምእካብ ተቃውሞ የስምዕ እዩ፡፡ ኣብ ኣኬባ ይኩን ካልኦት መድረካት መሳርያ ወይ ክላሽን ኣረክብ እንትትብሃል እምቢ ኢሉ እዩ፡፡  ብቛንቛና ኢና ንዛረብ እናበለ ቃልሱ የሕይል እዩ ዘሎ፡፡ ከምዚ ዓይነት ተቃውሞታት እንተካይድ ድማ ጁንታ ኢኩም ትፅበዩ ዘለኩም እናተብሃለ ብገበቲ ሓይልታት ግፍዒ ይበፅሖ ኣሎ፡፡ መሬቱ እውን እናተሓደገ ንገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ይውሃብ ኣሎ፤ ኮይኑ ግና ሐዚ እውን ፀላእትና ካብ መሬት ትግራይ ብሰላም እንተዘይወፂኦም ህላወና ብቅልፅምና ክነረጋግፅ ኢና ኢሉ ቃልሱ የሕይል ከምዘሎ ኣይተ ብርሃነ ገብረየሱስ ኣረዲኦም፡፡

ብሃ/ስላሴ ገ/ሚካኤል

Previous articleደሃይ ውላዶም ዝሰኣኑ ወለዲ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ
Next articleዝጥሕል ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያ