Home ማሕበራዊ እቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖት...

እቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባር መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ሃሳዉያን ንዓመታት ዝዘርእዎ ፅልኢ እዩ ክብሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡

1356
0

እቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዓዊ ተግባር #መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ሃሳዉያን ንዓመታት ዝዘርእዎ ፅልኢ እዩ ክብሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ኣሰር እቶም ሓቂ ሒዞም ድምፂ ህዝቦም ዝኾኑ ብፁእ #ወቅዱስ ኣቡነ #ማትያስ ተኸቲልና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን መከራን ንዓለም ክነፍልጦ ይግባእ እዉን ኢሎም ፡፡

ፋሽስታዉያንን መላፍንቶሙን ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ተግባር ምፅናት ዘርኢ #ጀኖሳይድ ፈፂሞሙን ይፍፅሙን ኣለዉ፡፡

መቐፀልታ እዚ ድማ ክትፍፅሞስ ይትረፍ ክትሓስቦን ክትሰምዖን ዘቐንዉ ተግባር ጫፍ ጭካነ ፋሽስታዉያን ሰብ ብሂወቱ አቃፂሎም እዮም፡፡ እዚ ድማ ይብሉ ዘዘራረብናዮም #ሊቃዉንቲ ኣቦታት ትግራይ እቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተዘርአ ፅልኢ ፋሽስታዉያን እዩ ኢሎም፡፡
ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢ/ያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ #ትግራይን ደቂ ትግራይን ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ግፍዒ ደው ከብል ብፁእ #ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ #ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ዻዻሳት ዘኢት/ያ ሊቀ ዻዻስ #ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክላሃይማኖት ነቲ ተግባር ምኹናኖም ስዒቡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኢና በሃልትን ካልኦትን ዝግበር ዘሎ ፀለመ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ካብ ዘለዎም ባህግን ድሌትን ፋሽስታዉያንን ግፍዓዉያንን ወረረትን ኢሎም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡፡
ሐዚ እዉን እንተኾነ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝቕፅል ዘሎ ምፅናት ዘረኢ ጀኖሳይድ ደው ክሳብ ዘየበለ ኣሰር ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ተኸቲልና ድምፂ ህዝብና ብሙዃ ብዉልቀ ኮነ ብዉዳበ ቓልስና ክነሕይል ኢና ኢሎም፡፡
እቶም ንሓቂ ደው ኢሎም ድምፂ ዉፅዓት ኢት/ያን ብፍላይ ድማ ድምፂ ደቂ ትግራይ ዝኾኑ ዘለዉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ጎኖም ደው ከም ዝብሉ እዉን እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣረጋጊፆም፡፡
ህይወት ብርሃነ

Previous articleትርፈይ
Next articleትኹረት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ