Home ዜና “እቲ ቀይሕ መስመር ኣብ ሓፂር እዋን በቲኽና ናይ ግድን ክንዕወት ኢና” –...

“እቲ ቀይሕ መስመር ኣብ ሓፂር እዋን በቲኽና ናይ ግድን ክንዕወት ኢና” – ዋዕሮታት ተጋደልቲ

ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ 30 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ሰገን ከፈሎን ዓዲ ፀፀርን ፈተነ ዳግማይ ወራር ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ካብ ትሽዓተ ሰዓት ቀትሪ ጀሚሩ ዝኸፈትዎ ውግእ ክሳብ ከባቢ ሓደ ሰዓት ምሸት ተኻይዱ ከምፅኦ ዝኸኣለ ለውጢ ኣይነበረን፤ ፀላኢ ብኹሉ መዳይ ስዕረት ተጎልቢቡ እዩ ከይዱ። ኣብዚ ውግእ ኣብ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ትግራይ ዝነበረ ብቕዓት ምፍፃም ልኡኽ ብጣዕሚ ዘደንቕ ነይሩ። ብጅግንነት ተዋጊኡ፤ ብዙሕ ዕሱብ ሰራዊት ምዉትን ቁሱልን ገይሩ ንፀላኢ ክሳራ ብክሳራ ገይርዎ። ኣብ ሕድሕድ ተጋዳላይ ፅቡቕ መንፈስ ጅግንነትን ልዑል ኣፈፃፅማ ልኡኽን ዝተርኣየሉ ከም ዝነበረ እዩ ።ኣብዚ ውግእ ዝተፈለየ ጅግንነት እዩ ተራእዩ፤ ክሳብ ክሳድ ንክሳድ ሕንቆ ገጢሞም ፀላኢ ኣውዲቖም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ተጋደልቲ ኣለዉ። ከም ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ እንተወሲድና እውን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ፍሉይ ጅግንነት ዝሰርሓ ምዃነን ኣብቲ ዉግእ ተሳቲፈን ዝነበራ ዋዕሮታት ካብ ኣንደበተን ኣረጋጊፅና ኢና። ተጋዳሊት ፀጋብርሃን ሃይላይ፣ ዕሱብ ሰራዊት ሻዕብያ ንህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ክወርርን ክጭፍጭፍን ዝገበሮ ፈተነ ተዋጊኦም ካብ ዘፈሸሉ ጃጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሓንቲ እያ። “ፀላኢ ተሃንዲዱ እንትመፅእ ሓይሊ ሰቡ ካብቲ ናትና ዝዛየደ ስለዝነበረ ኣመፃፅኣኡ እውን ብሰለስተ ኣንፈት ስለዝነበረ ብውሑድ ሓይሊ ንፀላኢ ንምጥቃዕ ዘኽእለና ናይ ቦታ ምጥዕዓም ገይርና ኣብ ውሽጢ ሓፂር ሰዓት ኢና ፀፊዕና መሊስናዮ ትብል። ሽዑ ፀላኢ ንሕና ሒዝናዮ ዝነበርና ቦታ መንጢሉ ንዓና እናሰዓበ ክድምስስን ቦታታት እናተቖፃፀረ ክኸይድን እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ይኹን እምበር ዘይገመቶ ፅፍዒት ስለዝዓረፎ ብድሕሪኡ ካልኣይ መዓልቲ ክፍትን ኣይከኣለን” ትብል። ብተወሳኺ፣ ኣብ ሕድሕድ ተጋዳላይ ሓያል ስምዒት ከምዝነበረን ክሳብ ኢድ ብኢድ፣ ብሕልኮን ብእምንን እናገጠመ መስተክራዊ ስርሒት ከምዝፈፀመን ትገልፅ። ተጋዳሊት ፀጋብርሃን ብደጀንነት ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ከምእትኾርዕን እትሕበንን ብምግላፅ፤ ትግራይ ቀልጢፍና ሓራ ምእንቲ ክነውፅኣ እቲ ተሪፉ ዘሎ ዘይተጋደለ መንእሰይ ናብቲ መኸተ ተፀምቢሩ መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ክመልእ ከምዘለዎ ትሕብር። ተጋዳሊት ምብራቕ ሓጎስ እውን ኣብ ሰገን ከፈሎ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝወዓለት ዋዕሮ ትግራወይቲ እያ። “ኣነን ብፆተይን ካብ ድፋዕና ከይለቐቕና ክሳብ ፀላኢ ብኣጋር ዝቐርብ ተፀቢና ድሕሪኡ ኸዓ ኣብ ንደልዮ ቦታን ርሕቐትን ምስኣተወ ኣጥቂዕና ሓምሺሽናዮ። ኣብዚ ከም ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት ተሳቲፍና ኢና። ብጣዕሚ ጠንካራታት ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኣለዋና” ብምባል ተረድእ። ብዘይካ እዚ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ብፆታ ነቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ዘተባብዓ ‘ኣጆኹም ክንዕወት ኢና’ እናበላ ሓደሽቲ ኣባላት ከይደናገፁ ዝገበራ ንፉዓትን ተባዓትን ምዃነን እውን ገሊፃትልና እያ። ተጋዳሊት ምብራቕ፣ ፀላኢ እንትሃድም ካብ ድፋዐን ወፂአን እግሪ እግሩ እናሰዓባ ዝቑሽምዳ ጀጋኑ ኣብቲ ውግእ ከምዝተዓዘበት እያ ትገልፅ። ቀፂላ እውን “እቲ ውግእ ንመብዛሕትና ፈላማይ ውግእና እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣባል ከም ነባር እዩ ተዋጊኡ። ብጣዕሚ ንፉዓት ኣባላት እዮም ዘለውና” ትብል። ተጋዳሊት ምብራቕ፣ እዞም ግፍዐኛታት ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጭቆና እንተብፅሑን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ማህፀነን ጀጋኑ ከይወልድ እንተበላሽዩን ብዙሕ ግፍዕን በደልን እንትፍፅሙን ምስረኣየት “ክቃለስ ኣለኒ” ብዝብል ሕራነ ውላዳ ገዲፋ ናብ ቃልሲ ከምእተፀምበረት እያ ትገልፅ። “ነዞም ወረርቲ ከየጥፋእኻ ድቃስ ስለዘየለ ኣብ ገዛ ዘለዉ መናእሰይ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ክወፁ ክቃለሱ እየ ዝፅውዕ” ድማ ኢላ። ኩልና ሓሪንና ሓደ ኮይንና ፀላኢ ክንድምስስ ኣለና ዝበለት እዛ ዋዕሮ፣ ንህዝቢ ትግራይ ድማ "ኣደና ኣይትነብዕን፣ ኣቦና ኣይሕረድን፣ ኣሕዋትና ኣይድፈራን ብምባል እቲ ቀይሕ መስመር ኣብ ሓፂር እዋን በቲኽና ናይ ግድን ክንዕወት ኢና" ዝብል ሕራነ ዝተመልኦ መልእኽታ ኣመሓላሊፋ እያ። ክብል ወይን ፀብፂቡ።

1340
0
Previous articleግዳይ ምምዝባል ዝኾነት ምርኣይ ዝተሰኣና መምህር
Next article“ምዕብልቲ፣ እትፍራሕ፣ እትኽበር፣ ሰላማ ዘረጋገፀት፣ ንተጋሩ ምችውቲ ዝኾነት ትግራይ ክርእይ ዘይምነ ዓባይ ትግራዋይ የለን፤ እዚ ኩላትና እንብህጎ እዩ፡፡”