Home ዜና እዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ

እዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ

972
0

ኣረሜናዊ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራርን ጀኖሳይድን ብፅንዓት እናመከቱ ድሕሪ ምፅናሕ 23 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብምፍርራም ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ምዕራፍ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ።

በዚ ዝምምዕ መሰረት ተፃብኦ ደው ክብልን ሕገ መንግስቲ ንክኽበርን ናይ ሓባር ምርድዳእ ዝተበፅሓሉ እንትኾነ ኣብ መሬት ትግራይ ዘሎ ኣራዊት ሰራዊት ሻዕብያ ንክወፅእ እውን ምርድዳእ ዝተገብረሉ እዩ። ይኹን እምበር በዚ ከይዲ ዘተ ሰላም ዘይተሓጎሰ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክንዲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንከውፅእ ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ናብ መሬት ትግራይ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ። እዚ ኣረሜናዊ ሰራዊት ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ብዝኸፍአ መንገዱ ይፍፅም ኣሎ፤ ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ ይጭፍጭፍ ኣሎ፤ ሃፍትን ንብረትን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብመካይን እናፅዓነ ይወስድ ኣሎ፣ ክወስዶ ዘይክኣለ እውን የዕንዎን የቃፅሎን ኣሎ፤ ሓድግታት ትግራይ እውን ብስፍሓት የዕንውን ይዘርፍን ኣሎ፤ ብሓፈሻ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን እናካየዶ ዝመፅአ ኩለመዳያዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪካ እውን ዝያዳ ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን እናካየዶ ዘሎ ግፍዕን በደልን ብህፁፅ ጠጠው ከብል፣ ካብ መሬት ትግራይ ቀልጢፉ ንክወፅእን ብዝፍፅሞም ዘለዉ ገበናት ንክሕተትን ኩለመዳያዊ ፃዕሪ ክገብሩ ኣለዎም። ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሪር ስጉምቲ ንክወስዱ መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

መንግስቲ ትግራይ

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

10 ሕዳር 2015 ዓ.ም

መቐለ

Previous articleምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ
Next articleተደራደርቲ መንግስቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት ካብ ዝሃብዎ መብርሂ