Home ዜና እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

1774
0

ህዝብን መንግስትን ትግራይ “ስርዓት ይከበር፣ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ክጥሓስ የብሉን” ዝብል ህዝባዊ እምነትን መትከልን ብምሓዞም ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊኦም ማእለያ ዘይብሎም በደላትን ግፍዕታትን እናበፅሖም መፂኡ እዩ። ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳረ መንከራ ንምምካት እውን ብዝገርም ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን እናተረባረቡ ድሕሪ መፅናሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣትዮም ይርከቡ።

ህዝቢ ትግራይ ሕቶታቱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምምላስ ኣብዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ መእንተ ሰላም ኢሉ ኩለመዳያዊ መስዋእቲ እናኸፈለ እዩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ዋላ እኳ ሕዚ እውን ሕገ መንግስታዊ መሰልን ነፃነትን ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ንምምላስ ብዙሕ ክሰርሕ ዝግብኦ እንተኾነ በብእዋኑ ተስፋ ዝህቡ ምምሕያሻት እናርኣየ ምምፅኡ ግን ቀፃሊ ጉዕዞ ሰላም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክሰግር ከምዝኽእልን ከምዝግባእን ምልክት እናሃበ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ከይዲ ዘተ ሰላም ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ጉዕዞ ኣብ ዝጀመረሉን ግዝይዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ምምስራት ምንቅስቓስ ኣብ እነሳልጠሉን እዋን ኣብ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ ዝካየዱ ዘለዉ ሰላማዊ ህዝቢ ናይ ምህዋኽን ዘይዛሪ በደል ናይ ምፍፃም ተግባራትን ጉዕዞ ሰላም ናይ ምዝራግ ተግባር ሰዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ጠጠው ንከብሎ ህዝቢ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

ናይዚ ሕመቕ መግለፂ ድማ ትማሊ 10 መጋቢት 2015 ዓ.ም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ካብ ወረዳታት ጉባ ላፍቶ፣ ወልድያን ራያ ቆቦን ብዙሕ ህዝቢ ብምጉዕዓዝ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተቐባልነት ዘይብሉ ሰልፊ ትኻይዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት እውን ዘሕዝን በደል ክፍፀም ክኢሉ እዩ። ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ እውን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘየቋረፀ ገበን ጀኖሳይድ እናተፈፀመ መፂኡን ኣሎን።


መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ክዋፃእን ብምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባታት ምዕራብ ፣ ደቡብ ፣ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን በደል ጠጠው ከብልን ይግባእ። እዚ ንምግባር ድማ ዕጡቓት ኣምሓራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፅኡ ብቆራፅነት ክሰርሕ ይግባእ።

ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ብተመሳሳሊ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዝመፅእን ዘሎን ገበን ጠጠው ከብሉ ዘኽእል ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ንክወስዱ ፃውዒትና ነቕርብ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

11 መጋቢት 2015ዓ.ም 
መቐለ

Previous articleኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ  ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም
Next articleስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ