Home ዛዕባ ሎሚ እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

1309
0

ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝብና ብዘይዓንቀፍቀፍ ንክበፅሕ ካብ መጋቢት 15/ 2014 ዓ.ም. ምሸት ጀሚሩ ጊዝያዊ ደው ምባል ተፃብኦ ክትግበር መንግስቲ ትግራይ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ዓይነት፥ መጠንን ጊዜን ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣድላይ ምትሕብባር ከምዝገብር መንግስቲ ትግራይ ብእዋኑ ዕላዊ ገይሩ እዩ። እንተኾነ ኣፍቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ክሳብ ሎሚ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ 26 መኪና ጥራሕ እየን።

እዚ ብሽም ጊዝያዊ ደው ምባል ተፃብኦ ክባን ዕፅዋን ይቕፅል ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ። ይኹን ድኣምበር ንዘየለ ነገር ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዘይምቁራፅ ሓገዝ ተጠናኺሩ ናብ ትግራይ ይፈስስ ከምዘሎ የጋውሑ ኣለዉ። ካብኡ ሓሊፉ ዝተወሰኑ ኣካላት ማሕበረሰ ሰብ ዓለም ግቡኦም ረሲዖም ሓገዝ ናብ ህዝቢ ትግራይ ምእታዉ ዘተባብዕ እዩ፥ ንዘየለ ለውጢ ኣሎ እናበሉ ዕፅዋን ክባን፥ ጥምየትን ሕማምን ከም መሳርሒ ኲናት ክቕፅል እጃሞም ይፃወቱ ኣለዉ። እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለፂታት ደው ክብል ይግባእ።

እዚ ናይ ሓሶት ብዕራይ ወለደ ወረ ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ልዕሊ ፅጉምን ዝተጎድአን ህዝቢ ምቕላድ እንትኸውን ኣብ ዓለማዊ ወንጀል ተሳታፊ ምዃን እውን እዩ። ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ምእታውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ሓዋዊስካ ምቕራብ ፈፂሙ ኣይግባእን።

ተጀሚሩ ዘነበረ ክልታዊ ስምምዕ ቀርዩ ናብውልቀ ተበግሶ ዝተቐየረ ጊዝያዊ ደው ምባል ተፃብኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ከእቱ ዘይኽእል እንተኾይኑ ትርጉም ዘይብሉ ምኻኑ መንግስቲ ትግራይ የፍልጥ።ስለዝኾነ’ውን መንግስቲ ትግራይ ዘይኣተወ ሓገዝ ኣትዩ እናበልካ ዝሓልፍ መደናገሪ መልእኽታት ደው ክብል፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክኣቱ፥ ናይ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ናይ ቃላት ፀወታ ይኣክል ኢሉ፥ ክባን ዕፅዋን ክኽፈት፥ ዝተቋረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

ኣብ መወዳእታ ሕዚ እውን መንግስቲ ትግራይ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዓንቀፍቀፍ ንክኣቱ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር ንህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ደጊሙ ብኽብሪ ይገልፅ።

ትግራይ ትስዕር!

መንግስቲ ትግራይ

መጋቢት 29፥ 2014 ዓ/ም መቐለ

Previous articleፋሽስታውያንን መላፍንቶምን ዝፈፀምዎ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት
Next articleውፅኢታት ምህዞ እታወታት ሕርሻ ንምድንፋዕ መፍረያይነት