Home ዜና እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ!

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ!

1638
0

—-

ተኸታታሊ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ተወንጫፍን ኣረሜንያዊ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስዕረቱ ዘመላኽት እዩ!! መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂ ብኹሎም ግንባራት ዝኸፈቶምን የካይዶምን ዘሎው መጠነ-ሰፊሕ ወራራት ብፍላይ ካብ 28 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንከተማታት ሸራሮ፣ ሽረ፣ ዓዲ ግራት፣ ካልኦት ኣናሽቲ ከተማታትን ናይ ገጠር መንደራትን ብከቢድ ብረትን ተወንጫፍን ተኸታታሊ ደብዳብ የካይድ ኣሎ። በዚ ሰይጣናዊ ደብዳብ ብዙሓት ደቂ ትግራይ ግዳይ መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካልን ኮይኖም ኣለዉ።

መንግስቲ ትግራይ ብመስዋእቲ እዞም ሰላማውያን ወገናትና መሪር ሓዘን ከምዝተሰምዖ ብስም ህዝቢ ትግራይ እንትገልፅ ንግዳያት ስድራ ድማ ፅንዓት ይሃብኩም ይብል። ደም ንፁሃት ወገናትና ከንቱ ፈሲሱ ከምዘይተርፍን ገበነኛታት ክሳብ መወዳእታ ከምንፋረዶምን ድማ መንግስቲ ትግራይ የረጋግፅ።ህዝብን መንግስትን ትግራይ በዚ ኣረሜንያዊ ወፍሪ ጀኖሳይድ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይን ኣይስኮኑን ጥራሕ እንተይኮነስ ሓድነትና ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ንኣራዊት ዕሱብ ሰራዊት ህግደፍን መላፍንቱን ብዝግባእ ብምምካት ዘላቒ ህልውና ትግራይን ህዝባን ውሑስ ብምግባር ርብርብና ኣሐይልና ከምንቕፅል ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ እዩ።

ህዝብና ድማ ብልፍንታውያን ፀላእትና ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ ብዝግባእ መኪትና መሰል ዓርሰ ውሳነና ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ነረጋግፅ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ህልውና ዝያዳ ኣበርትዕኻ ንክትቕፅል መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

መንግስቲ ትግራይ

04 ዻጉሜን 2014 ዓ.ም

መቐለ

Previous articleስቕያት ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ
Next articleመልእክቲ ሓደሽ ዓመት ፕረዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል