Home ዜና ከም እኽሊ እየ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ

ከም እኽሊ እየ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ

894
0

ካብ ሓይልታት ፅንተት ንምምላጥ ከም እኽሊ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ እየ ተጓዒዘ፡ ጉድእ ኣካል ጎይትኦም ገ/ዋህድያ፡፡
ጎይትኦም ገ/ዋህድ ወይድማ ቕፅል ስሙ ሒንጊዱ ይበሃል፡፡ ኣካል ጉዱእ እዩ ፡፡ ብኢዱ እንዳተፋሓኾ እዩ ዝኸይድ፡፡ ይኹን እምበር ዘለዎ ጉድኣት ኣካል ከይበገሮ ልክዕ ከም ስሙ ሒንጊዱ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣብ ስራሕቲ ሊስትሮን ምሕዳስ ጫማን ተዋፊሩ ካብ ማንም ከይተፀበየ ህይወቱ ይመርሕ ዝነበረ አዩ፡፡
ሐዚ ግን ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈፀምዎን ይፍፅምዎ ዘለዉን ጆኖሳይድ ተመዛቢሉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ማሽኸል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቤት ት/ቲ ሓየሎም ናብራ ሓሳረ መከራ እንዳደፍአ ይርከብ፡፡


ብዘለዎ ናይ ሕቖ ፀገም ድማ ብዘይ ፍራሽ ኣብ መሬት ክድቅስ ከም ዘይኽእልን እዙይ ድማ ከቢድ ፀገም ከም ዝኾነ ተዛሪቡ፡፡መዓስ እዙይ ጥራሕ ልክዕ ከምቲ ካሊእ ተመዛባሊ ጎዩ ኩነታት ክከታተል ብዘይ ምኽኣሉ እዉን ተወሳኺ ስቓይ እዩ ዘጋጥሞ፡፡


ኩነታት ኣመፃፅእኡ እንትገልፅ ድማ ሓይልታት ፅንተት ከማይ ዝመሰሉ ጉድኣት ኣካል ብዘይ ምሕረት ክቐትሉ ስለ ዝረኣኹ ካብኣቶም ንምምላጥ እየ ድማ ከም እኽሊ ኣብ ኣድጊ ተፃዒነ ዝሃደምኩ ይብል፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ከቢድ እዩ ዝበለ ጐይትኦም ወይድማ ሕንጊዱ ኣብ ጉድኣት ኣካል ድማ ድርብ ግፍዕን ዝኸፈአን ይገብሮ ይብል፡፡
ስለ ዝኾነ ድማ ይብል ሒንጊዱ ዝተኸተመ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸዉንን ፀላኢ ካብ ዓድና ሙሉእ ንሙሉእ ክወፅእን ንሕና ድማ ናብ ንቡ ህይወትና ክንምለስ ይግባእ ድሐሪ ምባል ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ትግራዋይ ድማ ንጉኣት ኣካል ሓገዝ ክገብር ፀዊዑ፡፡

Previous article”ሰላም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ጉዳይ ኣማራፂ ዘይኮነስ ጉዳይ መትከላዉን ስትራተጂካዉን ረብሓ ዘረጋግፅ ኢዩ”። ፕረዚዳንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚኬኤል ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ 6ይ ዘበን 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካድ ኣሎ።
Next articleኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ብምኽንያት ዝኽረ በዓል 7 ጥሪ ደብረፀሃይ ቅድስት ስላሴ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 1 ሚልየን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡