Home ዜና ከም ፃፀ ዝመፀ ፀላኢ ከም ፃፀ ይጠፍእ

ከም ፃፀ ዝመፀ ፀላኢ ከም ፃፀ ይጠፍእ

1883
0

ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ፍትሓዊ ኲናት ብዓወት ከም ዝውዳእን ከም ፃፀ ተፋሒኹ ዝኣተወ ፀላኢ ከም ኣመፃፅእኡ ከም ፃፀ ከምዝጠፍእን ምስ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ፃንሒት ዝገበሩ ኣይተ ኣባይ ግደይ ሓቢሮም፡፡ 

ሓይልታት ጥፍኣት ብመዝረ ከፊተምዎ ዘለዉ ኲናት ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ወሳናይ ምዕራፍ በፂሑ ምህላዉን፤ ወታደራዊ እዚ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ኣስመራ ካብ ዝልወጥ ንደሓር፤ ኣብ ልዕሊ ዕሱብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ውቅዒት ዓሪፉ ምህላዉን ዝገለፁ ኣይተ ኣባይ ግደይ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ በፂሕዎ ዘይፈልጥ ጥፍኣት በፂሕዎ ምህላዉ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ዘለዋ ወታደራዊ፣ ቁጠባዊን ሰብኣዊን ትሕዝቶታታ ንባዕዲ ኣረኪሳ ምህላዋ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣባይ ግደይ፤ ሓይሊ ኢትዮጵያ ከም ድኹዒ ንምጥቃም ዝሃቀነት ኤርትራ እውን እንተኾነ እቲ ድኹዒ ትሓምሺሹ እናተወደአ ኣብ ልዕሊኣ ዝኸፍአ ጥፍኣት ይበፅሓ ምህላዉ ገሊፆም፡፡

ኣብ ውሽጢ ኲናት ኣብ ዝህልዉ ውግእ ምልውዋጥ ቦታን ኣንፈታትን ልሙዳት ምዃኖምን እቲ ዋና ስዓራይነት ኲናት ብመን ይዛዘም ዝብል ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣይተ ኣባይ ህዝቢ ትግራይ ዝሓዞ ናይ ምንባር ሕቶ ፍትሓዊ ብምዃኑ ኣብ ኣጠቓለሊ ዓወቱ ዘየጠራጥር ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ማዕበላዊ ሓይሊ ሰብን ኣፅዋርን ሒዙ ምስ ዝንቀሳቐስ ዒላማ ዘይብሉ ሰራዊት፤ ከመይ ናብ ረብሓኻ ከም ዝልወጥ ብወታደራዊ ሓለፍቲ ዝውሰን ጉዳይ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ኣባይ ኲናት ምስ ኩነታት ዝለዋወጥ እንበር ብዝተለመደ ኩነታት ጥራይ መልሲ እናሃብካ ከም ዘይውዳእን ከም ፃፀ ተጓቲቱ ዝኣተወ ፀላኢ ብኣጣፍኣ ፃፀ ክውዳእ ከም ዝኽእልን ጠቒሶም፡፡

ሰራዊትና ፍሉይ ተኣምር ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ደጀንነቱ ኣጠናኺሩ ምስ ሰራዊቱ ረቢቡ ክቃለስ ድማ ኣይተ ኣባይ ግደይ ፀዊዖም፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleእዋናዊ መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ ብድሆታት ሰጊሩ ህዝባዊ መኸተና ይዕወት!!
Next articleፆመ ትግራይ