Home ዜና ከተማታት መቐለን ኣዳማን ስምምዕ ኣሓት ከተማ ተፈራሪመን፡፡

ከተማታት መቐለን ኣዳማን ስምምዕ ኣሓት ከተማ ተፈራሪመን፡፡

753
0

ከተማታት መቐለን ኣዳማን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ኣሓት ከተማ ተፈራሪመን፡፡

ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ምፍርራም ኣሓት ከተማታት መቐለን ኣዳማን ብወገን መቐለ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ብወገን ኣዳማ ድማ ከንቲባ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴ ተረኺቦም ተፈራሪሞም፡፡

ዝተፈረመ ስምምዕነት ኣሓት ከተማታት መቐለን ኣዳማን ኣብ ዙርያ ሰለጤን ስራሕቲ ኣወሃባ ግልጋሎት ኣብያተ ዕዬ መንግስቲ ፣ ምትእትታው ሓዱሽ ቴክኖሎጂ፣ ካዳስተር መሬት ፣ ስራሕቲ ዳኣንት ፣ ስራሕቲ ሓምለዋይ ከባቢ ፣ኣብ ባህሊ ብሓፈሻ ኣብ ማሕበረ ኢኮኖሚ ብሓባር ንምስራሕ ዝተበፅሐ ስምምዕነት እዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዳማ  ዝነብሩ ተጋሩ ስላሞምን ድሕንነቶምን ውሑስ ኮይኑ ህይወቶም ዝመርሕሉ ኩነታት ተጠናኺሩ ክቕፅል እውን ኣካል እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት እዩ፡፡

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምፍርራም ኣሓት ከተማታት መቐለን ኣዳማን ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን  ከተማታት ዝተፈረመ  ስምምዕነት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘሎ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣወሃባ ግልጋሎት ኣብያተ ዕዬ መንግስቲ ፣ ኣተሓዛ መረዳእታ መሬት፣ ህንፀት ሓምለዋይ ከባቢ፣ ምገባ ህፃናት ተምሃሮ፣ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ንኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ወገናት ሓዊሱ ዘለና ተሞክሮ ንከተማ መቐለ ንምሃብን ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ተሞክሮ  ስራሕ ድማ ንምውሳድን  ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስምምዕነት ርክብ፣ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ህዝብታት ኦሮሞን ትግራይን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘዕቢ እዩ ኢሎም፡፡

ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዕንወት ዝበፅሖ መሰረተ ልምዓት ከተማ መቐለ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝካየድ ስራሕ ንምሕጋዝ ከም ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣዳማ ድልዋት ኢና ኢሎም ኣይተ ሃይሉ፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ብወገኖም ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብምንኣድ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘለው ተሞክሮ ስራሕቲ ናብ ከተማ መቐለ ንምውሳድ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ተሞክሮ ድማ ንኣዳማ ንምሃብ ዘኽእልን ርክብን ምትሕግጋዝ ክልቲአን ከተማታት ዘበርኽን እዩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ድማ እቲ ስምምዕ ድሕንነት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ገሊፆም::                 

ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ተዘዋዊሩ ዝረኣየ ኮይኑ ብከንቲባ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ከተማ  ኣዳማ ድማ ኣብ ቀረባ ግዘ ናብ ከተማ መቐለ ከም ዝመፅእ ተሓቢሩ፡፡

ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleዑደት ኣብ ዝዓነዉ ትካላት ዉቕሮ
Next articleኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝቢ ትግራይ