Home ህፃናት ከይዲ ምፅራይ ቅትለት ህፃናት  

ከይዲ ምፅራይ ቅትለት ህፃናት  

985
0

 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዩክሬንን ሞዛምቢክን ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ዘለው ቅትለታት ክምርመሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ ፡፡

ብመሰረት ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተሬዝ ዘቕረብዎ ሓዱሽ ፀብፃብ ካብ ዓመተ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተፈፀሙ ዓለም ለኻዊ ጎንፅታት ልዕሊ 2 ሽሕን 500ን ህፃናት ግዳይ ሞት ከምዝኮኑን ልዕሊ 5 ሽሕን 500ን ድማ ንኣካለ ጎደሎ ከምዘተሳጥሑ ድሕሪ ምሕባር ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዩክሬንን ሞዛምቢክን ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ዘለዉ ቅትለታት ድማ ብሰበ ስልጣናት እቲ ውድብ ክምርመር ምኳኑ ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ፡፡  

እቲ ብሰኑይ ሓምለ 4/2014 ዓ/ም ህፃናትን ወተሃደራዊ ጎንፅን ኣብ ዝብል ርእሲ ዝወፀ ዓመታዊ ፀብፃብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ህፃናት ብኣስገዳድ ከምዝተዓስከሩ ዘፍለጠ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፃረር መልክዑ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህፃናት መጭወይትን ፆታዊ ዓመፅን ተፈፂሙ ኢሉ፡፡

ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመን ኣብ እዋን ጎንፂ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይበፅሕ ከምዝተገበረን ኣካል እቲ ፀብፃብ እዩ፡፡ 

ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ብፍላይ ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ፅዕፁዕ ኲናት ንነባራትን ሙኩራትን ወተሃደራቱ ኣህሊቑ ከይኣክል ብኣሽሓት ንዝግመቱ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ብሓይሊ ገፊፉ ድማ  ናብ ደምበ ውትህድርና እናእተወ ኣብ ዓውደ ኲናት ክጥጠቑ ከምዝገበረ ህይወቶም ንስክላ ተሪፋ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ዝወደቑ ምሩኻት ኢትዮጵያ ምግላፆም ይዝከር፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleንፋስ ሰላም ዝዘርጉ ሓንፈሽቲ
Next articleሓገዝ ንፅጉማት ወገናት