Home ዜና ኪነ ጥበብ ትግራይን ምዕቃብ ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይን

ኪነ ጥበብ ትግራይን ምዕቃብ ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይን

1189
0

ሕድሪ ስውኣትና ዓቂብና ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ምስናድን ብሩህ ተስፋ መፃኢት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ዝግብአና ኩሉ ንምኽፋል ድልዋት ኢና ክብሉ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ትግራይ ገሊፆም፡፡  መሶብ ኪነ ጥበብ ምስ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይን ማሕበር መናእሰይ ትግራይን’’ዑንቁታት ትግራይ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብግፍዒ ፀላእቲ ዝተጨፍጨፉ ሰማእታት ኣብ ምስናድን ምውርራስ ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቶም መድረኽ ዝኽሪ ሰማእታት ኣሳሊጦም፡፡

ኣብ’ቲ መድረኽ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዝገልፁ ዝተፈላለዩ ተዋስኦታት፣ ስነ ፅሑፍን ስእልታትን ዝቐረቡ እንትኾኑ ዓላማኡ ድማ ሕድ ሕድ ገዛ ህዝቢ ትግራይ ዘንካሕኲሐን ፀላእቲ ዝፈፀምዎ ተግባር ዘርኢ ምፅናት ዳግም ከይድገም ህዝቢ ክርድኦ ምግባርን ንማሕበረሰብ ዓለም ንምቅላሕን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ገሊፆም።

በርሁ ተወልደብርሃን

ጀጋኑ ስውኣት ትግራይ ንኽብሪ ሰማእትነት ዝበቕዑ ኩሉ ግዜ ክብሪን ረብሓን ትግራይን ህዝባን ብምቕዳም እዩ። ሐዚ እውን መንእሰይ ትግራይ ሕድሪ ስውኣቱ ዓቂቡ እታ እንብህጋ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ዕዮ ገዛን ሓደራን አለዎ ዝበሉ ኣይተ በርሁ ተወልደብርሃን(ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ) ኪነ ጥበብ መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ምእማት ዓብይ ተራ ስለዘለዎ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ’’ዑንቁታት ትግራይ’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ምስናድን ምውርራስ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ዝጀመርዎ ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ጋዜጠኛ ተስፋይ ፀጋይ

ብተመሳሳሊ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ልብና ዓቂብና ዕላምኦም ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕን ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ግፍዒ ከይድገምን ከይርሳዕን ከም ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ካባና ዝድለ ኩሉ ክንገብር ኢና ክብሉ ሓላፊ መሶብ ኪነ ጥበብ ጋዜጠኛ ተስፋይ ፀጋይ ገሊፆም፡፡

ዊንታ ካሕሳይ

ኪነ ጥበብ ትግራይ ዓረር ፀላእቲ ብምምካን ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምዕቃብ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ ዝበለት ንእስቲ ዊንታ ካሕሳይ ሐዚ ድማ ኣብ ምቅላሕ ጀኖሳይድ ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢለን፡፡

ብበላይ ሽፈራው  

Previous articleሓባሲ ዝሰኣነ ንብዓት
Next articleታሪኽ ኣብ ዘይዕድሚኣን ብዘይድሌታን ኣዶ ክትኾን ዝተገደደት ጓል 16 ዓመት