Home ዜና ካብ መግለፂ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ

ካብ መግለፂ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ

4508
0

25 ነሓሰ 2014 ዓ/ም

– ገዜያዊ ተፅብኦ ቶኽሲ ደው ምባል ብፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ እዩ ተጣሒሱ።

– ኣብ ዝኾነ ስዓት እቲ ኲናት ከምዝጅምር ንፈልጥ ስለዝነበረና ኣይተዘገዕናን።

– ኣብ ግምባር ደቡብ ኣብ ልዕሊና ዝትኸፈተ ኲናት መኪትና ብፀረ መጥቃዕቲ ድማ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና።

– ኣብ’ቲ ግምባር ዘመዝገብናዮ ዓወት ዛጊድ ካብ ዘመዝገብናዮም ዓበይቲ ዓወታት ሓደ እዩ።

– ዓቕሚን ምፍፃም ተልእኾን ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተኣማምን ቁመና ይርከብ።

– ፅላኢ ሐዚ እውን ብሰቆጣ ናብ ሳምረ ንምእታው ኲናት ከፊቱ ኣሎ።

– ሰራዊት ኣብይን ኢሳያስ ኣፍወርቅን ብሓደ ብምፅማድ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንምውራር ዝዕለመ ኲናት ንምኽፋት ተዳልዮም ኣለዎ።

– እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ካብ ቃለዓለም ወፂኡ ንሰላም ድልው እንተዘይኾይኑ እቲ ኲናት ክቕፅል እዩ።

– እዚ ኲናት ናይ ትግራይን ኣምሓራን ንምምሳል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ቁብልነት የብሉን።

– ህዝቢ ኣምሓራ ተደናኣገፁ ካብ መረበቱ ክመዛበል የብሉን።

– ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ከምፀላኢ ኣይንርእዮን።

– ፀላኢ ልቦና ክገዝእ ናብ ሰላም ክኣቱን ማእኸል ዓውዲ ኲናት ንከይኾኑን ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ክፅዕሩ ይግባእ።

– ህዝቢ ትግራይ ብደቅኻ ተኣማመን።

ምሉእ እቲ መግለፂ ድሕር ሕዴት ደቓይቕ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ይከታተሉ።

Previous articleእዋናዊ መልእኽቲ መንግስቲ ትግራይ
Next articleካብ መግለፂ ኣባል ሰንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ