Home ዜና ካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ብሓገዝ ዝተረኽበ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር  ንልዕሊ...

ካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ብሓገዝ ዝተረኽበ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር  ንልዕሊ 1500 ዝኣኽሉ ዉግኣት ብመልክዕ ናዉቲ ተበርኪቱ፡፡

565
0

ተጋዳላይ  ሮቤል ገብረሂወት ምእንተ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ኣካሉ ዝጎደለ ኣባል ጀጋኑ ዉግኣት ሰራዊት ትግራይ እዩ፡፡

 ካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ዝተረኸበ ሓገዝ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር ን1500 ዉግኣት ተጋደልቲ ሓገዝ ኣልባሳት ካብ ዝተገበረሉ ተጋዳላይ ሓደ እዩ  ተጋዳላይ ሮቤል፡፡

ንዝተገበረሉ ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ድያስፖራ ተጋሩ ኣሰር እዞም ማሕበር ክስዕቡ ፀዊዑ፡፡

ተጋዳሊት ኣስሊ ተጫነ እዉን ንደቂ ኣነስትዮ ተጋደልቲ ዝተዉሃበ ሓገዝ ረኺባ ኣላ፡፡

ብልዕሊ 1.8 ሚልዮን ብር ካብ ማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ዝተኣካኸበ ሓገዝ ን1500  ዉግኣት ዝውዕል ንማእኸል ሎጂስቲክስ ኣታዊ ከምዝተገበረ ተወካሊ እታ ማሕበር ኣይተ ጌታቸዉ ሃይለስላሴ ገሊፁ፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረኸበ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ዕደላ ንብረት ተጋዳላይ ወልደስላሰ ግደይ ብማሕበር ተጋሩ ጅዳን ከባቢኣን ንዉግኣት ተጋዳልቲ ዝተበርከተ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ብመለክዕ ናዉቲ ናብቲ ማእኸል ዉግኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ምእታዉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመፁ ተወከልቲ ዉግኣት ተረኪቦም እቲ ሓገዝ ተቀቢሎምዎ እዮም፡፡

Previous articleመግለፂ ዉድብ ምግቢ ዓለም
Next articleዑደት ኣምባሳደር ነርወይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ